ብዘበናዊ ጥበብ ፒያኖ ዝጻወታ ኢትዮጵያዊት ፈላሲት

"ዝና ኣብዚ ዓለም ከቶ ኣይደልን'የ፡ ስመይ ግን ኣብ ሰማይ ክመዝገበልይ እደሊ'የ።" እማሆይ ጽገ-ማርያም ስምይቲ ፕያኖ ዝጻወታ ኢትዮጵያዊት ፈላሲት'የን።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ጊሸን-ማርያም ዝበሃል ገዳም፡ ካብ ሰበን ርሒቐን፡ ከም ባሕታዊት ካብ ኣጕድአን ንቤተ-ክርስትያን፡ ካብ ቤተ-ክርስትያን ድማ ንኣጕድአን እናተመላለሳ፡ ምስ ጸሎቱ፡ እኳ ድኣ ጥራይ እግረንን ኣብ ንእዲ እናደቀሳን፡ ንዓሰርተ ነዋሕቲ ዓመታት ነብሰን ብምሕራም ኣሕለፍኦ።

ኣብ'ዚ እዋን'ዚ እማሆይ ጽገ-ማርያም ኣዝየን ብዕድመ ደፊአን ኣብ እየሩሳሌም'የን ዝነብራ። ኣብ ሓንቲ ጸባብ ብመዘከርታታት ኢትዮጵያ ዝመልአት ክፍሊ'የን ዝነብራ።

እወ፡ ክፍለን ብኣሳእልን መንፈሳዊ ቅብኣታትን፡ ቴፕ-ካሴታትን (ናይ 70'ታት ተክኖሎጂ)፡ ካብ ቍኒን-ንቍኒን ዝተጠምተሙ ናስትሮታት፡ ሰንደቕ-ዕላማ ኢትዮጵያ፡ ዝተጸፍጸፈ ቃናታት-ሙዚቃ ዝተጻሕፍዎ ወረቓቅቲ (ድርሰት ሙዚቃ) ዀነ ግላዊ መዘከርታታት'ዩ መሊኡ። ብዓቢኡ፡ እቲ ክፍለን በታ ንዕምረን ሙሉእ ዘሳለየተን ፒያኖን ዓራተንን'ዩ ተዋሒጡ።

እማሆይ ኣብ ትምህርቲ ዓለም

እማሆይ ጽገ-ማርያም ገብሩ ብ1923 ካብ ርኹባት ስድራ-ቤት'የን ተወሊደን። ብንእስነተን ከኣ ከም ሙዝቀኛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዝየን ውርይቲ ነበራ - እኳ ድኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ምርኢት ዘቕረባ ሙዚቀኛ'የን።

"ኣቦይ፡ ብንእሽቶይ፡ ናብ ቤተ-መንግስቲ ሒዙኒ ክኸይድ ይዝከረኒ" ይብላ እማሆይ። "ንንግስቲ ዘውዲቱ ክረኽበን፡ ኣብ ማዕሪኤን ድማ ወራስ-ዓራት፡ ልዑል ተፈሪ መኰነን፡ ደው ኢሎም ይዝከረኒ" ኢለን ወሰኻሉ።

እማሆይ፡ ምስ ሓብተን፡ ንመጀመርያ ጊዜ ሓንቲ ካብተን ንኽመሃራ ንወጻኢ ዝተላእካ ኢትዮጵያውያን ነበራ። "ብባቡር ካብ ኣዲስ ኣባባ ንጅቡቲ ምስ ወረድና፡ ካብኡ ድማ ብመርከብ ንኤውሮጳ ተጓዕዝና - ወርሒ ምሉእ ዝወሰደ ጕዕዞ" እናበላ የዘንትዋ።

ኣብ ስዊዘርላን ንመጀመርያ ጊዜ ሓደ ሙዚቃዊ-ምርኢት ይርእያ'ሞ - ሓደ ዓይነ-ስዉር ዘቕረቦ - እቲ ምርኢት ኣብ ልበን ተሰሪጹ ተረፈ። ኣብቲ ዝነብራሉ ዝነበራ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ንመጀመርያ ጊዜ ምስ ፕያኖን ቫዮሊንን ተፋለጣ፣ ፍቕሪ ሙዚቓ ብኡ ኣቢሉ ተኣታተወን። ብጠርበሽበሽ ጀሚረን ድማ ኣብቲ ዝማዕበለ ደረጃ በጽሓ። ሽዑ ጓል ሸሞንተ ዓመት'የን ነይረን።

ካልእ ዓለም ርእየን ንዓዲ ምስ ተመልሳ ንዓለም-ኣዲስ ኣበባ ሓቘፍኦ። ኣብቲ እዋን'ቲ ኣዲስ ኣበባ ዉዕዉዕቲ፡ ጭው ዝበለት ርእሰ-ከተማ ነበረት። እማሆው ድማ ውዕይቲ፡ ምጭውቲ፡ ምስኡ ኸኣ ጓል ርኹባት ስለ ዝነበራ ንህይወተን ብፍስሃ ይዕወታሉ ነበራ። ማራኺ ፍሽኽታ ኣብ ገጸን፡ ቅዲ-ኣምጽኦ ክዳውንቲ ኣብ ዝባነን ተኸዲነን ምስ ኣዝማድ እንዳ ንጉስ ላዕልን ታሕትን ይብላ ነበራ።

"ንምዃኑ ፍልልይ ወድን ጓልን እንታይ'ዩ?" እናበላ ነቲ ዘጋጥመን ዝነበረ ወጽዓ ሕብረተ-ሰብ ዝምክት፡ማዕርነት-ጠቀስ ሕቶታት ብርእሰ-ተኣማምነት ኣልዒለን ይሓታ ነበራ።

ሕንቁቕ ናብራ እማሆይ

"ሓደ መዓልቲ 'ጽላሎት ሓዘነይ' ዘርእስታ ናይ ጥልያን ደርፊ ብፒያኖ ንጃንሆይ ክደርፈሎም እዝክር" እናበላ የዕልላ። " ንሶም ከኣ 'እዚ ህያብ ኣምላኽ'ዩ' ክብሉኒ'ውን ይዝከረኒ" ይብላ።

ብ1936፡ ሙሶሊኒ ንኢትይጵያ ክወርር ምስ ኣወጀ ህይወተን ግልብጥብጥ ኣቶዎ። ሰለስተ ኣባላት ቤተ-ሰበን ተቐትሉ፣ ንሰን ግን ምስ ስድርአን ኣምለጣ። ኣብ ጥቓ ሳርዲንያ ዝርከብ ደሴት ንሓጺር እዋን ተቐመጣ። ንሃገር ምስ ተመልሳ፡ ንሓዘነን ብምብዳህ ኣብ ናይ ሙዚቓ ዓለመን ብቆራጽነት ተመልሳ።

ኣብቲ እዋንቲ፡ መዕለበጢት፡ ዓቕሊ ገይረን ከኣ ኮፍ ክብላ ዝኽእላ ሰብ ኣይነበራን፣ ከምኡ ስለ ዝነበራ፡ መኪና ዝዝውራ፡ ብፈረስ ዝጋልባ ዉጽእቲ ጓል ኣዲስ ኣበባ'የን ነይረን። ኣይጸንሓን ከኣ፡ ኣብ ስራሕ-ዓለም ክኣትዋ ስለ ዝደለያ፡ ወኸሳ ናብ ጃንሆይ ብምእታው ኣብ ወጻኢ-ጕዳያት ስራሕ ተዋህበን፣ ደቂ'ስትዮ ናይ ስራሕ ዕድላት ይንፈገን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ጸሓፊት ኰይነን ኣገልገላ።

እናሰርሓ ካብ ናይ ሙዚቃ ዓለም ግን ኣይረሓቓን፣ ድሕሪ ክልተ ዓመት ንካይሮ ብምኻድ ትምህርተን ክቕጽላ ዕድል ረኸባ።

"ፒራሚድ ኰነ ዉሕጅ ናይል እናርአኹ ተሓጕሰ ትምህርተይ ክከታተል ጀመርኩ" ይብላ እማሆይ። ሽዑ ሓሙሽተ ሰዓታት ንመዓልቲ ፒያኖ፡ ኣርባዕተ ሰዓታት ድማ ናይ ቪዮሊን ልምምድ እናገበራ ንኽልተ ዓመት ይመሃራ ነበራ። ክላሲካዊ ሙዚቃታት ናይ በይቶቨን፡ ሹበርት፡ ሞዛርት ብምጽዋት ይለማመዳ ነበራ። "ኣዝየ ዝፈትዎ ዝነበርኩ ግን ሽትራውዝ'ዩ" ይብላ እማሆይ።

ብናይ ሙዚቃ ትምህርተን እናማዕበላ ይኺዳ'ምበር እቲ ሙቘት ካይሮ ክጻወርኦ ኣይከኣላን፣ ጥዕና'ውን ኣይረኸባን። ብኡ ምኽንያት ድማ ንኣዲስ ኣበባ ክምለሳ ተገደዳ።

ሃንደበታዊ ሕማም

ንኣዲስ ኣበባ ምስ ተመልሳ ኮፍ ኣይበላን፣ ንለንደን ተወሳኺ ናይ ሙዚቃ ትምህርቲ ክቐስባ ማህደረ-ትምህርቲ ረኸባ - ኣብቲ "ሮያል ኣካዳሚ ኦፍ ምዩዚክ" ዝበሃል ህቡብ ማእከል-ሙዚቃ።

ማህደረ-ትምህርቲ ይርከባ'ምበር ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ንዓዲ-እንግሊዝ ንክኸዳ ስለ ዝተኸልከላ ሽዑ ህይወተን ንቅጽበት ተለወጠ። ደንጸወን ከኣ! ብጓሂ ምብላዕ ኣበያ። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልታት ድማ ነብሰን ደኺሙ፡ ሓሚመን ኣብ ሆስፒታል ተዓቝባ። ኵነታተን እናኸፍአ ብምኻዱ ንሞት ተቓረባ፣ ቀሺ ተጸዊዑ ኸኣ ክሳብ ቅዱስ ቍርባን ተቐበላ።

"ብድሕሪኡ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ንዓሰርተ-ክለተ ሰዓታት ከም ሙዉትቲ ደቀስኩ" ይብላ እማሆይ። "ካብ ድቃሰይ ምስ ተበራበርኩ ግን" ይብላ፡ "ኵሉ ተለዊጡ ረኸብኩዎ፡ ፍጹም ህድኣት ከኣ ዓሰለኒ ... ኣብ ዉሽጠይ ዝርብሸኒ ዝነበረ ጭንቀት በነነ" ይብላ። ሃዲአን ንዜማ ቤተ-ክርስትያን ምስማዕ እንተ ዘይኰይኑ ኵሉ ከም ዝገደፍኦ ይገልጽኦ።

ፈላሲት ምዃንዶ ይሓይሽ?

እማሆይ ንዅሉ ራሕሪሐን ካብ ሙዚቃ ዓለም ብጥራስ ወጻ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ሃዲመን ንሰሜን ኢትዮጵያ ተዓዝራ ... ንዎሎ። ሽዑ'የን ዝፈለሳ።

ከም ባሕታዊት ኣብ ዎሎ ዝርከብ ቅዱስ እምባ፡ ብጊሸን-ማርያም ዝፍለጥ ደብሪ፡ ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ተኣሊኸን ጣዕሚ ዝነበሮ ህይወተን ረሺነን ኣተውኦ። ዓሰርተ ዓመታት ናይ መዋእል ህይወተን ነቲ ደብሪ ሸለምኦ። እቶም ኣቡን ናይቲ ደብሪ ምስ ሞቱ ግን እማሆይ ንኣዲስ ኣበባ ተመለሳ።

ሓዲሽ ህይወት ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሰን ምስ ኣዲአን ክነብራ ጀመራ። ኣብኡ ቀስ ኢለን እቲ ንነዊሕ እዋን ኣቋሪጸንኦ ዝነበራ ሰሌዳ-መፋትሕ-ፕያኖ ተመለስኦ። ለይተ-ለይቲ ካብ ድቃሰን ተበራቢረን መንፈስ ናይ ጥንታዊት ኢትዮጵያ ዝሓዘለ ግናኸ ንዘመናት ስዒሩ ቦሎኽ ዝበለ ተምሳጥ ክፍትሽኦ ጀመራ።

እቲ ዉሕለተን ተመለሰ፡ ኣስተንትኖአን ናብ ሙዚቃ እናተርጐማ፡ ምስ ዜርሽሽ ናይ ዎልስ ሙዚቃ ኣወሃሂደን ግሩም ዝዀነ ዜማታት ክደርሳ ጀመራ ... ባዕለን ዝደረስኦ ዜማ።

ሓደ መዓልቲ ሓብተን፡ ብዛዕባ ዉሕልነት እማሆይ ሓብተን ኣዝየን ይፈልጣ ስለ ዝነበራ፡ ኣብቲ ንህዝቢ ዘዳለውኦ ተዋስኦ ዝኸውን ሙዚቃ ከዳልዋለን ሓተትአን። ንጠለብ ሓብተን ንኸየዕብራ ኸኣ እማሆይ ሕራይ በላ። "ኣብ ቅድሚ ሰብ ወጺአ ግን ፕያኖ ኣይጸኣወትን'የ" በላ፣ '"ክውል ኢለ፡ ሰብ ከይርኣየኒ'የ ዝጻወት" ኢለን ምስ ሓብተን ገጠማ፣ ኣብ ስምምዕ ኸኣ ኣተዋ።

ኣብቲ በዓል ንጉስ ምስ ሰበይቶም፡ ብርክት ዝበሉ ንጉሳውያን ቤተ-ሰብ፡ ዓበይቲ መኳንንቲ ዀኑ ብዙሓት ሰባት - ተምሃሮ ምስ ስድርኦም - ነቲ ተዋስኦ ክዕዘቡ ኣብቲ ኦዲተርዩም ነበሩ። እማሆይ ድማ ሰብ ከይረኣየን ፕያኖ ተጻወታ። እቶም ዕዱማት መን ይጻወት ከም ዝነበረ'ውን ኣይፈልጡን።

ሙዚቃ ንሓገዝ ድኻታት

ናይ ግለን ተመኵሮታት ኣብ ሙዚቀአን ጽልዋ ኣሎዎ። እቲ ሙዚቃዊ ጕዕዞአን ድሕሪ እቲ ተሓቢአን ዝተጻወታሉ መዓልቲ ቀጸለ። ይዅን'ምበር ከመይ ኢለን ህይወት ፈላሲት እናመርሓ ፍልጠት ሙዚቃአን ከማዕብልኦ ከም ዝኽእላ መፍትሐ ኣይረኸባሉን።

ኣብ 1960ታት ዜማታት ቤተ-ክርስትያን ንኸጽንዓ ንጎንደር ከዳ። ደጊመን ሽዑ ንኣንፈት ህይወትን ክልውጥኦ ተገደዳ።

ኣብ ከባቢታት ኣብያተ-ክርስትያናት ጎንደር ማእለያ ዘይነበሮም ድኻታት ምስ ረኣያ ልበን ተተንከፈ፣ ኣብ ግዳም ዝሓድሩ፡ እናለመኑ ናይ ዕለት መግቦም ዝምእርሩ። ንቶም ብድኽነት ዝተጠቕዑ መናእሰይ ክሕግዝኦም ብዘይ ምኽኣለን ተረበሻ። ሓንቲ ክእለት ጥራይ'ያ ነይራተን - ፕያኖ ምጽዋት።

ንድኻታት ንምሕጋዝ ኣብ መሸጣ ዝውዕል ሙዚቃ ክደርሳ ከም ዘሎወን ሕልንአን ኣዘዘን፣ ገበርኦ ኸኣ። ንጃንሆይ ደብዳቤ ብምጽሓፍ ናይ መበገሲ ሓገዝ ሓተታ፡ ተፈቕደለን ከኣ። ናብ ከለን (ጀርመን) ብምኻድ ንመጀመርያ ጊዜ ናይ ስቱድዮ ሸኽላ ከዳልዋ ከኣላ።

እማሆይ፡ ምስ'ዚ ዅሉ ክእለተን፡ ኣብ ዓለን ሙሉእ ዝተፈልጣ ምርኢተኛ ስነ-ጥበበኛ ክዀና ምኸኣላ ነይረን። እቲ ሕልሚ'ቲ ይቕተልኦ'ምበር ካብ እቲ ዘፍቅርኦ ሙዚቃ ካብ ምድራስን ምጽዋትን ኣየዕረፋን። እቲ ስነ-ጥበባዊ ራእየን ኣየጥፍኣን።

እቲ ኣብ ጀርመን ናይ ስቱድዮ-ሸኽላ ንከዳልወለን ዝተሓባበረን ሰብ "ልዕሊ ቅድሚ ክልተ-ሚእቲ ዓመት፡ እዚ ትጥቀማሉ ዘሎኽን ፕያኖ ሞዛርት ከም እተጠቕመሉ ትፈልጣዶ?" ምስ በለን ብሓጐስ ፍንጭሕ በላ።

ብ1960ታትን 1970ታትን እማሆዎ ነዚ ፍሉይ ዉህበተን ብዙሕ'የን ደኺመናሉ። ብዙሓት'ውን ነይሮም እዚ ንፈላሲት ዝኸውን ስራሕ ኣይኰነን ኢሎም ገጾም ዘጸልመቱለን። ንሰን ግን ሰገጥ ከይበላ ስርሐን ቀጸላ። "ንሳዕስዒትን ዳንኬራን ኣይኰንኩን እዚ ዅሉ ዝጽዕሮን ዘፍርዮን" እናበላ'ውን ንነብሰን ይከላኸላ ነበራ።

ንዓዲ ስደት

ዘመን ወተሃደራዊ መንግስቲ (ደርግ) ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ተኣታትወ ንኵነታት እማሆይ ተፈታተኖ፣ ንእየሩሳሌም ገጸን ከኣ ተሰደዳ። ንመጀመርያ ጊዜ ኣብኡ ዝርከብ ናይ ኦርቶዶክስያዊት ኣባታዊ-ምሕደራ ኣትየን ከም ተርጓሚት ስርሐን ጀመራ።

ኣብ ስራሕ ይንበራ'ምበር ኣብ ገዳም ደብረ-ገነት፡ መንበሪአን ቦታ - ብጐደና ኢትዮጵያ ዝፍለጥ - ኰይነን ብፒያኖአን ሙዚቃ ክውርባን ክጻወታን ዓዲ ኣይወዓላን።

"እማሆይ ፒያኖ ክጻወታ ኸሎዋ ኣጻብዕተን ንኣእዳወን ጠንጢኖም ብምኻድ ኔው-ነጀው ክብሉ፡ መንቅብ ዘይብሉ ኣተናኽፋ ሰሌዳ-መፋትሕ ምርኣይ ንልቢ የረስርስ" እናበለት ማያ ዳንየትስ፡ እስራኤላዊት ሙዚቀኛ፡ ንፍጹም ክእለት እማሆይ ትምስክረለን። ዝምድና እማሆይን ማያን ንዕብየትን ዝርጋሐን ሙዚቀአን ብዙሕ ሓጊዙ'ዩ።

ሓደ መዓልቲ እማሆይ ንማያ ደዊለን "ንዒ ሓግዝኒ" ኢለን ወረቓቕቲ ዝመልአ ናይ ፕላስቲክ ሻንጣታት ሃብኣ። "እንሆ እዚ ዅሉ ህይወተይ ምሉእ ዝጸዓርኩሎም ናይ ሙዝቃ ድርሰታት'ዮም'ሞ ሰሪዕኪ ኣብ ማሕተም ንክበጽሑ ተሓባበርኒ" ክብላ የማሕጽንኣ።

"ስርሑ ብዙሕ'ዩ" ትብል ማያ። "ዕላም ናይ እማሆይ፡ እቲ ዝሃባኒ ስራሕ ኣብ መፈጸምታ ምስ በጽሐ እቶም ዝተሓትሙ ናይ ድርሰት መጻሕፍቲ ኣብ መሸጣ ክቐርቡ'ሞ እቲ ዝኣተወ ገንዘብ ድማ ሓገዝ ንድኻታት ንክህብኦ'ዩ ዕላምአን"።

"ንምንታይ እዞም ኵሎም ዝደረስክንኦም ድርሰተ-ሙዚቃ ከተሕትምኦ ደሊኽን?" ኢላ ከይ ንእማሆይ ምስ ሓተትአን "ምስ ዓለመይ ክካፈሎ ዝለ ዝደለኹ'የ" ክብላ መለሳ።

ሚእቲ ዓመት ንኽመልኣ

እማሆይ 100 ዓመት ክመልኣ ከም ዝቐረባ ስእለን ንዝርኣየ ኣይኣምንን። እቲ ኣሽካዕላሊ ፍሽኽትአን፡ ፍሩያትን ኣዕሚቖም ዝጥምቱን ኣዒንተን፡ ትዅረተን ኰነ ምጭው ባህሪአን ማረኽቲ'ዮም። ሙዚቃዊ ጕዕዞአን ኣብዚ ደው ኣይክብልን'ዩ።

ንዅሉ ከርክባሉ ብዝያዳ ተብ-ተብ ክብላ ይርኣያ። ነቶም ዝደጋገፍኦም ቈልዑ ዝግባእ ክንክን ክረኽቡ ብህይወተን ከለዋ ንኽርእያ ባህገን ስለ ዝዀነ ዝከኣለን ይገብራ ኣሎዋ።

"እዛ ፕያኖ ብጸይተይ'ያ ... ክሕጐስ፡ ክቓዝን፡ ክማኸር ናብ ፕያኖ'የ ዝጓየ" ይብላ እማሆይ። ኵሉ እዋን ብሙዚቃን ድርሰተ-ሙዚቃን ስለ ዝሓስባ "ሓድ-ሓደ እዋን ኖታ-ሙዚቃ ኣብ መንደቅ ተለጢፉ ይርኣየኒ" እናበላ ክርትም ኢለን ይስሕቃ። "ሓሳብ ዝመጸኒ፡ መብዝሕትኡ ጊዜ እዋን ለይቲ'ዩ፣ ሽዑ እቲ ሓሳብን ግጥምን ከይሃሰሰ ክጽሕፎ እግደድ፡ ብድሕሪኡ ድርሰተ-ሙዚቃ ይስዕብ" እናበላ ንስርሐን ይገልጽኦ።

ብ1996፡ ብኢትዮፒክስ ዝፍለጥ፡ ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻዊ መዛግብ ዓለም ዘእተወ ኩባንያ፡ ንዉረባ ናይ'ዘን ፈላሲት ብመልክዕ ቅጺ-21 ኣብ ዓለም ዘርገሒዎ ይርከብ።

ብስመን ሓደ ትካል-ረዲኤት ቈላዑ መስሪተን ኣሎዋ - ቈላዑ ናይ ሙዚቃ መሳርያ ዝረኽብሉን ናይ ሙዚቃ ትምህርቲ ዝቐስምሉን ትካል።