እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንስነ ጥበባዊ ኣቤል ተስፋየ ኣምባሳደር ሰናይ ተግባር ገይሩ ሓርይዎ
ናይ 2020 ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዝኾነን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ኣቕራቢ ረድኤትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝኾነ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም (WFP) ንውሩይ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ስነ ጥበባዊ ኣቤል ተስፋየ ወይ ድማ ‘ዘ ዊክንድ’ ኣምባሳደር ሰናይ ተግባር እቲ ትካል ንክኸውን ከምዝሓረዮ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ዝተሓረየሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ዓለም ጥምየት ንኸብቅዕ ድምጺ ይኸውን ስለዘሎ’ዩ ኢሉ። ኮኸብ ሙዚቀኛ ኣቤል ተስፋየ ኣብ ናይ ስነ ጥበብ መዋእሉ ኣብ ስራሕቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብተዋፋይነት እንዳሓገዘ ከምዝመጽአ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 3 ሚልዮን ዶላር ለጊሱ’ዩ።
ቅድሚ ኣዋርሕ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትግራይ ብዘጋጠመ ኵናት ንዝተጎድኡ ሰባት ሓገዝ ዝውዕል ሓደ ሚልዮን ዶላር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሂቡ ምንባሩ ይፍለጥ።
ከም ሓደ ናብ ካናዳ ዝተሰደደ ትውልደ ኢትዮጵያዊ እቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ኵናት ብውልቁ’ውን ከምዝሃሰዮ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ኩነታት ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዘለዎ ዝምድና ከሐይል ከምዝገበሮ ተዛሪቡ።
“ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መዓልታዊ ህይወት ሰባት ንምድሓን ቅልጡፍን ጠቓምን ስራሕቲ ይውግን ስለዘሎ ሓገዝ መግቢ ንዘደልዮም ሰባት ብምሕጋዘይ ጽቡቕ ስምዒት’ዩ ዝስመዓኒ። ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዘሎና ዝምድና መቐጸልታ ናይቲ ሓገዝ ንዘደልዮም ወገናት ብምርዳእ ዓጸቦ ንኸብቅዕ ናይ እንገብሮ ጻዕሪ’ዩ” ክብል ዘ ዊክንድ ተዛሪቡ።
ካብ ኢትዮጵያውያን ስድርኡ ኣብ ካናዳ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣቤል ተስፋየ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ዓብይ ቦታ ዝወሃቦም ሽልማታት ኤምቲቪ፣ ቪኤምኤን ሙዚቃ ኣሜሪካን ረኺቡ እዩ።
ድምፃዊ ኣቤል፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብኣሜሪካውያን ልዑል ቦታ ኣብ ዝወሃቦ ፀዋታ ኩዕሶ እግሪ ሱፐር ቦውል ምድራፉ፡ ዓብይ ናእዳ ተጎናፂፉ እዩ።
ሓላፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ ብወገኑ ን ዘ ዊክንድ “ናብ ስድራ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም እንኳዕ ብድሓን መጻእኻ” ድሕሪ ምባል ኣብ ዓለም ንዝጠመዩ ሰባት ንምሕጋዝ ዘርኣዮ ተበግሶ መነቓቕሒ ከምዝኾነ ጠቒሱ።
ኣብ ዓለም መዓልታዊ 811 ሚልዮን ሰባት ብጥሙዮም ናብ ዓራቶም ከምዘምርሑን ካልኦት 270 ሚልዮን ሰባት ድማ ንዓጸቦ ይቃልዑ ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ: ህይወት ሰባት ንምድሓን ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ከምዘለዎን ኩሉ ናብቲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዘካይዶ ዘሎ ጎስጓስ ንኽጽምበር ጸዊዑ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዓመታዊ ኣብ ልዕሊ 80 ሃገራት ንዝቕመጡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰባት ህይወት መቐነይ ረድኤት ምግቢ ከምዝቕርብ ይፍለጥ።