ቅልውላው ትግራይ: ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ዝተኣዘዙ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ወጺኦም

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሰንበት ካብታ ሃገር ብህጹጽ ክወጹ ዝተኣዘዙ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ድሕነቶም ንምርግጋጽ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝተገበረ ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ፋርሃን ሓቅ ገሊጹ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ሃገር ኢዶም ኣእትዮም ብምባል እዩ እቶም ኣባላት ዝተፈላለያ ትካላት ናይቲ ውድብ ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዙ፡፡

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ በቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣዝዩ ከምዝሰምበደ ገሊጹ ነይሩ፡፡

ነቲ ተግባር ኣትሪራ ዝኾነነት ኣመሪካ ብወገና: ኣብ ልዕሊ እቶም ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዕንቅፉ ኣካላት ማዕቀብ ከተንብ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ ነይራ፡፡

ልዕሊ 40 ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኮኒነን ኣለዋ።

ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ንግዲ ዓለምን ሳይመን ማንሊ ን48 ሃገራት ወኪሉ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ እቲ ስጉምቲ ከምዘሰንበዶምን ከምዘጉሃዮምን ብምሕባር፡ ንሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ምሉእ ደገፍ ገሊጹ።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ንውሳኔኡ ብምቕያር፡ ነቶም ዝተሰጎጉ ሰብመዚ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ክፍቅድ ንጽውዕ" ይብል እቲ ትማሊ ዝወጸ መግለጺ።

ሓደ ካብቶም ካብታ ሃገር ክወጹ ዝተኣዘዙ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ምስ ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዝግበር ዘሎ መርመራ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ኣብ ትግራይ ዝሳተፍ ዝነበረ ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

እቶም ተጻባእቲ ወገናት ጎንጺ ደው ኣቢሎም እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከይጋደድን ክፍታሕን ሓቢሮም ክሰርሑ ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓብደላ ሻሂድ ተማሕጺኑ፡፡

ብኻልእ ዜና: ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ታዬ ኣጽቀስላሰ፡ እቲ ውድብ ናይቶም ዝተባረሩ ሰራሕተኛታት መተካእታ ክልእኽ ጸዊዑ'ሎ፡፡

ካብ መፋርቕ ነሓሰ ክሳብ መፋርቕ መስከረም ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን ናብ ትግራይ ካብ ዝተልኣኻ 466 መካይን እተን 38 ጥራሕ ከምዝተመለሳ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓትን ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ፡፡

መራሕቲ መካይን ናብ ትግራይ ዝወስድ ነዳዲ ጥራሕ ክመልኡ ከምዝተገበሩን ኣብ መንገዲ ብሓይልታት ፌደራል ዝተፈላለየ በደላት ከምዝፍጸሞምን መራሕቲ ትግራይ ይገልጹ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሕጽረት ነዳዲ ምንቅስቓስ ሓገዝ ዘጓዓዕዛ መካይን የተዓናቕፍ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ኣይቕበሎን፡፡ ብተወሳኺ ትካልት ረድኤት ነቲ ‘‘ግብረ ሽበራዊ’’ ኢሉ ዝበየኖ ጉጅለ ይሕግዙ ኣለዉ ብምባል ይኸስስ፡፡

ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት ትግራይ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ከምዘፈናቐለን ተጸባዪ ረዲኤት ከምዝገበረ ይግለጽ። ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ከምዝኣተዉ ሰብመዚን ትካላት ረዲኤትን ይሕብሩ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ትካላት ረዲኤት ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ንምግታእ፡ ረዲኤት ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ብቕልጡፍ ናብቶም ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ክበጽሕ ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር።