መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ጊኒ ኮሎኔል ማማዲ ዶምቦያ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ወዲ 41 ዓመት ኮሎኔል ማማዲ ዶምቦያ ካብ ብዕልዋ መንግስቲ መራሒ ማሊ ዝኾነ ወዲ 38 ዓመት ኣሲሚ ጎኢታ ቀጺሉ ካልኣይ ብዕድመ ዝነኣሰ መራሒ ኣፍሪቃ ኮይኑ’ሎ። ንሱ ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ሰሙን: ኣብ ቀጻሊ ብመረጻ ሲቪሊያዊ ምምሕዳር ከምዝተከል ኣፍሊጡ’ዩ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ብብዙሓት ከምዝተኾነነ ይፍለጥ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ዞባዊ ጥርናፈ ምዕራብ ኣፍሪቃ ‘ኢኮዋስ’ን ሕብረት ኣፍሪቃን: ንጊኒ ንግዝኡ ካብ ኣባልነት ኣወንዚፎም ይርከቡ።
ኢኮዋስ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ናይቲ ኣብ ጊኒ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ እገዳ ከንብር እንከሎ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ናብ ሕገ መንግስታዊ ኣመራርሓ ክምለሱ ጠሊቡ።
ሓድሽ ፕረዚደንት ጊኒ ኮይኑ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ኮሎኔል ማማዲ፡ ኣብቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ መሓመድ ሓምሻይ ዝገበሮ መደረ: ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ጽሒፉ መንግስቲ ጊኒ ከም ብሓድሽ ናይ ምውቓር ተልእኾ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ ብልሽውና ከምዝቃለስስ፣ኣብታ ሃገር ናጻ፣ ግልጽን ተኣማንን ዝኾነ ሃገራዊ መረጻ ከምዘካይድ ምግላጹ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጠቒሱ።
ንሱ ሃገሩ ጊኒ ኣብ ሃገራውን ኣህጉራውን ጥርናፈታት ዝኣተወቶም ስምምዓት ከኽብር ምዃኑ ተመጻቢዑ። መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ጊኒ: መረጻ መዓዝ ከምዝካየድ ብንጹር ዘቐመጥዎ መቓን ግዜ የልቦን።
ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ጊኒ ነበር ወዲ 83 ዓመት ኣልፋ ኮንዴ ኣብ “ውሑስ ቦታ” ከምዘሎ ካብ ምግላጽ ወጻኢ ብንጹር ኣበይ ከምዘሎ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ሓድሽ ፕረዚደንት ጊኒ ኮይኑ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ኮሎኔል ማማዲ ዶምብያ፡ ቅድሚ እቲ ዝመርሖ ዕልዋ መንግስቲ: ብዙሕ ይፍለጥ’ኳ እንተዘይነበረ ዘኻዕበቶ ዓለም ለኻዊ ወተሃደራዊ ተሞክሮ ነቲ ዘካየዶ ዕልዋ መንግስቲ ንምምራሕ ሓጊዝዎ ክኸውን ከምዝኽእል ተንታኒ ፖለቲካ ምዕራብ ኣፍሪቃ ፖል መሊ ገሊጹ።
እቲ ኮሎኔል ኣብ ፈረንሳ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳዱ ኣብ ሰራዊት ፈረንሳ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ናይ 15 ዓመታት ወተሃደራዊ ጻኒሒቱ ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ ኣይቮሪ ኮስት፣ ጁቡቲ፣ ማእኸላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ተመዲቡ ሰሪሑ’ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







