ጊኒ፡ ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ኮሎኔል ፕረዚደንት ንምዃን ቃለ መሓላ ክፍጽም'ዩ

ኮሮኔል ማማዲ ዶምቦያ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኮሮኔል ማማዲ ዶምቦያ

ኣብ ጊኒ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝልጣን ዝሓዘ ኮሮኔል ማማዲ ዶምቦያ፡ ሎሚ ዓርቢ ግዝያዊ ፕረዚደንት ብምዃን ቃለ መሓላ ክፍጽም'ዩ።

እቲ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝካየድ ኮይኑ፡ ዕድመ ዝተገበረሎም ጥራይ እዮም ክኣትዉ።

ኮሎኔል ማማዲ ዶምቦያ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ወተሃደራዊ መኮነን እዩ።

ኮሮኔል ማማዲ ዶምቦያ፡ ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት መንግስቲ ከቕውም ትጽቢት ይግበር።

ወዲ 41 ዓመት ኮሮኔል ማማዲ ዶምበያ ካብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ዝነኣሰ መራሒ ሃገር ክኸውን እዩ።

ንፕረዚደንት ኢብራሂም ከይታ ካብ ስልጣን ኣልዩ ስልጣን ዝተረከበ ወዲ ማሊ ኮሮኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝነኣሰ መራሒ ሃገር ኮይኑ ዕድሚኡ 38 ዓመት እዩ።

ኮሮኔል ማማዲ ዶምቦያ፡ ብዕልዋ መንግስቲ ስልያን ምስ ሓዘ ኣብ ዝሃቦ ቃለ፡ ወተሃደራቱ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቀይዲ ኣልቦ ብልሽውና፣ ግህስት ሰብኣዊ መሰላትን ዘይቅርዑይ ምሕደራን ንምዕራይ ነቲ ዕልዋ ከም ዝፈጸምዎ ምግላጹ ይዝከር።

ብዕልዋ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ኣልፋ ኮንደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኣካታዒ ምርጫ ንሳልሳይ ግዜ ፕረዚደንት ኮይኑ ምስ ተመረጸ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተቃውሞታት ክካየድ ጸኒሑ እዩ።

ኣልፋ ኮንደ፡ ገዲም ተቃዋሚ መንግስቲ ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2010 ኣብ ዝተኻየደ ፈላሚ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ተመሪጹ'ዩ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ክሳብ ዕልዋ ዝካየደሉ ክሰርሕ ጸኒሑ።