መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ጊኒ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ድጋፉ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ጊኒ፡ እቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ንፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ዝኣለየ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ነታ ሃገር ሓድሽ ዕድላት ዝፈጥር እዩ ብምባል ድጋፉ ገሊጹ።
ሴሎ ዳለይን ድያሎ ኣብቲ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ሰራዊት ነቲ ብዲሞክራስያውያን ሓይልታት ዝተጀመረ "ስራሕ ዝዛዝም ታሪኻዊ ስራሕ እዩ ፈጺሙ" ኢሉ።
ሃገራዊ ዕርቂ ክካየድ'ውን ተስፍኡ ገሊጹ።
ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ኢኮዋስን ነቲ ዕልዋ ብምኹናን፡ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ክምለስ ጠሊቦም።
እቲ ብሰንበት ብወተሃደራት ተኸቢቡ ዝተረኣየ ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ'ውን ክፍታሕ ጸዊዖም።
እቲ ነቲ ዕልዋ ዝመርሐ ኮሎኔል ማማዲ ዶምቦያ ብሰኑይ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ፕረዚደንት ኮንደ ኣብ ውሑስ ኩነታት ኣብ ቀይዲ ምህላው ተዛሪቡ።
ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ኮናክሪ ህይወት ናብ ንቡር ተመሊሱ ከም ዘሎ ጋዜጠኛ ዓሊ ሓሰን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቀንዲ ደገፍ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ዝርከብ ህዝቢ ነቲ ኣብቲ ከባቢታት ብምምሕዳር ኣልፋ ኮንደ ተተኺሉ ዝነበረ ነቑጣታት ፍተሻ ምፍራሱ ሓጎሱ ይገልጽ ኣሎ።
እቲ ነቑጣታት ክለዓል ንዝኽእል ተቓውሞታት ንምግታእ ብዝብል ዝተተኽለ እዩ።
ዳለይን ድያሎ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ምርጫ ቀንዲ ተናሓናሒ እቲ ፕረዚደንት እዩ ነይሩ። ኣብቲ ምርጫ ኮንደ ንሳልሳይ እብረ ምውድዳሩ ኣዘራራቢ ኮይኑ እዩ።
እቲ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ዘሎ ፕረዚደንት ኣብ 2010 ኣብ ዝተኻየደ ፈላሚ ደሞክራስያዊ ምርጫ እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።
ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ ዓመታት እታ ሃገር ቁጠባዊ ዕበየት እኳ እንተኣመዝገበት፡ ብዙሕ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምስርጣይ ንነቐፍቱን ይቐርበሉ።
ሓደ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ጊኒ ኮይኑ ዘገልገለ ድያሎ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ዕልዋ "ዓወት ህዝብናን ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓትን እዩ" ክብል ገሊጽዎ።
መራሕቲ እቲ ዕልዋ ኣንጻር ብልሽውናን ዘይተሓታትነትን ንዝገብርዎ ቃልሲ ከም ዝድግፍ ብምግላጽ ከኣ ሰላማዊ ደሞክራሲ ኣብ ምህናጽ ብሓባር ክሰርሑ ተማህጺኑ።
ብዙሓት ደቂ ጊኒ ነቲ ዕልዋ ከድግፍዎ እንከለው፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኮናክሪ ኣብ ጎደናታት ሓጎሶም ገሊጾም እዮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







