እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንልዕሊ ሓደ ሽሕ መናእሰይ ኣፍሪቃ ዝውዕል ማዕከን ሓደ ቢልዮን ዶላር ክንእክብ ኢና- ዶ/ር እሌኒ
ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (ዩ-ኤን-ዲ-ፒ) ንፈጠርቲ ስራሕ መንእሰያት ዝድግፍ ሓድሽ ተበግሶ ከም ዝጀመረ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ንልዕሊ 1000 መንእሰያት ክድግፍ ትጽቢት ዝግበረሉ ፕሮግራም፡ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክእክብ መደብ ከም ዘለዎ ሓላፊት ናይቲ ውጥን ኮይና ዝተመዘዘት ዶ/ር እሌኒ ገብረመድህን ንቢቢሲ ሓቢራ።
እቲ ካብ መንግስታዊን ናይ ብሕቲ ትካላትን ዝርከብ ገንዘብ ነቶም መንእሰያት ብፍልጠት ሓጋዚ ስራሕ ኩነታት ዝረኽብሉ ዕድል ክረኽቡ ንምድጋፍ ዝዓለመ ኮይኑ ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት ተግባራዊ ክኸውን'ዩ።
እቲ ተበግሶ፡ ነቶም ፈጠርቲ ስራሕ ምስ ትካላት ትምህርትን ንግድን ዝራኸብሉ ዕድል ዝፈጥር'ውን እዩ።
በቶም መእሰያት ዝበጋገሱ ጀመርቲ ትካላት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምእንቲ ክበጽሑ ክስራሕ ምዃኑ እታ ሓላፊት ትዛረብ።
"ገሊኦም ኣዝዮም ዓበይቲ ኩባንያታት ክኾኑ'ዮም፤ ገሊኦም ድማ በቲ ዘለውዎ ዝቕጽሉ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። እቲ ሓሳብ ግን፡ እዞም ሓደ ሽሕ ትካላት ናብ ዝለዓለ ቦታ ንምብጻሕ ምድጋፍ'ዩ" ትብል ዶ/ር እሌኒ።
እቲ ዝዋጻእ ገንዘብ ብክልተ ኣገባብ ከም ዝኽፈሎም ብምጥቃስ "ብሓደ ወገን ነቶም ትካላት ፈጠራ ስራሕ ዘማዕብሉ ትካላት ክህልዎም'ዩ፤ ብኻልእ ወገን ድማ ነቶም ዝምዕብሉ ገንዘብ ዘበርክት'ዩ" ኢላ።
እዚ ኣብ 2022 ክጅምር ተወጢኑ ዘሎ መደብ፡ ትካላት መንግስትን ብሕትን ብሓባር ዝድግፍዎ ጉራማይለ (blended finance) ስርዓት ዝኽተል'ዩ።
"እዚ ማለት መንግስታዊ ናይ ልምዓት ትካላትን ናይ ብሕቲ ትካላት ፋይናንስ ዝሳተፍዎ'ዩ . . .ናይ ፈጠራ ስራሕ ሓደጋ ዘለዎ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ናይ ፈጠራ ሓሳብ ዘይክዕወት ይኽእል'ዩ . . . ብለንድድ ፋይናንስ ሞደል ጥቕሙ፡ መንግስታዊ ወይ ናይ ልምዓት ትካላት ነቲ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ክሽከሙ ዘኽእል ኣሰራርሓ ኮይኑ፡ ትካላት ብሕቲ ድማ ፍልጠትን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ሒዞም'ዮም ዝመጹ"።
እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ቅድሚ ሕጂ ዘይተሰርሓሉ ኣገባብ ምዃኑ እታ ሓላፊት ትዛረብ።
ጀመርቲ ፈጠርቲ ስራሕ ብኸመይ'ዮም ዝድገፉ?
እቲ ብትካል ልምዓት ሕብራት ሃገራት ዝምራሕ ተበግሶ፡ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ነቶም ጀመርቲ መንእሰያት (entrepreneurs) ዝድግፉ ካብ 8 ክሳብ 10 ኣብ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ማእከላት ክኽፈቱ'ዮም።
እተን ሃገራት ኣየኖት ምዃነን ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ።
እንተኾነ ኣብ ሓደ ሃገር ዝህሉ ማእከል ኣብ ሓደ መዳይ ጥራይ ዘተኩር ክኸውን ይሕሰብ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
"ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ሕርሻ ከተኩር እንከሎ፡ ኣብኡ ዘለዉ ትካላት ፈጠራ፡ ምሉእ ድጋፍ ፋይናንስ ዝረኽብሉ፣ ምስ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዝራኸብሉ ኩነታት ክፍጠረሎም ዝገብር'ዩ። ክሳብ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ኣብ ኣፍሪቃ ኣይተራእየን" ትብል ዶ/ር እሌኒ።
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ዓለምለኻዊ ናይ ልምዓት ትካላት ንመንእሰያት ፈጠርቲ ስራሕ ብምውድዳር ናይ ገንዘብ ሽልማት ክገብሩ ከምዝጸንሑ ብምግላጽ፡ "መንእሰያት ንሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ኢሎም ክጓየዩ ኢና እንርእዮም፡ ትካል ኣብ ምምዕባል ክሰርሑ ኣይንርእዮምን። እዚ ይጎድእ 'ምበር ይጠቅም ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ ብዝበለጸን ብዝተመዓራረየን ንኹሎም ተዋሳእቲ ሒዝና እንኸደሉ ኣሰራርሓ ክንፈጥር ኣለና ብምባል'ዩ" ትብል።
ኪኖ'ቲ ዝወሃብ ገንዘባዊ ደገፍ፡ እቶም መንእሰያት ኣብቲ ዝዋስእሉ ጽላት ምስ ዝነጥፉ ትካላት ንግዲ ክተኣሳሰሩ ዝኽእልሉ ዕድል ክፍጠረሎ'ምዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ንጥፈታቶም ብፍልጠትን ምርምርን ዝድገፈሉ ስርዓት'ውን ክዳሎ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከንቀሳቕሱ ዝኸኣሉ 6 ናይ ፈጠራ ትካላት ከም ዝተፈጥሩ ዝጠቐሰት እሌኒ፡ እዚ ድማ እቲ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ዘመልክት'ዩ ኢላ።
"እቲ ዝገርም ነዞም ኩባንያታት እዚኦም ዝፈጠሩ 20 እንተበዝሑ'ውን 30 ዝኾኑ መንእሰያት'ዮም. . . ከምዚኦም ዓይነት ካልኦት ትካላት ክፍጠሩ ዕድል ምኽፋት'ዩ ዕላማ ናይዚ ጀሚረዮ ዘለኹ ተበግሱ" ኢላ።
በቲ ካልእ መዳይ'ውን፡ እቲ ዝምወል ገንዘብ ንዝተፈላለያ ሃገራት ክመቓራሕ ዝገብር'ዩ።
ኣስታት 80 ሚእታዊት ካብቲ ንከምዚኦም ዝበሉ ተበግሶታት ንምድጋፍ ዝርከብ ገንዘብ ናብ ናይጀርያ ከም ዝኸይድን፡ እቲ ዝተረፈ'ውን ናብ ውሑዳት ሃገራት ከም ዝኸይድ ዝገለጸት ዶ/ር እሌኒ፡ እዚ ተሪፉ፡ ምንጭታት ፋይናንስ'ውን ክሰፍሕ ዝገብር'ዩ ትብል።
እቲ ተበግሶ ብኸመይ ተፈጢሩ?
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ርእሰከተማ ጋና፡ ኣክራ ብምትሕብባር ትካል ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ሓደ ንፈጠርቲ ስራሕ ኣፈሪቃ ንምምዕባል ዝዓለመ ዓውደ-መጽናዕቲ ተኻይዱ ነይሩ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈት ዶ/ር እሌኒ ገብረመድህን፡ ኣባል ናይቲ ነቲ ትካል ሓሳባት ከመንጩ ዝቖመ ጉጅለ እያ ነይራ።
እቲ ጉጅለ ዘላቒ ኣማራጺታት ኣናዲዩ ከቕርብ ትጽቢት ተገይሩሉ ነይሩ።
እታ ንመንእሰያት ኣዲስ ኣበባ ዝድግፍ 'ብሉ ሙን' ዝተባህለ ትካል ትመርሕ ዝነበረት እሌኒ፡ 'ነቲ ዕድል ተጠቒማ፡ ፈጠርቲ ስራሕ መንእሰያት ኣፍሪቃ ብገንዘብን ካልኦት መዳያትን ዝድግፍ ኣሰራርሓ ክህሉ ጠሊባ።
እቲ እማመ፡ እቶም በቲ ንሳ ትመርሖ ትካል ዝድገፉ መንእሰያት ዘጋጥሞም ዝነበረ ብድሆታት ድሕሪ ምዕዛባ'ያ ኣቕሪባቶ።
ነቲ ዘጋጥሞም ዕንቅፋታት ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምፍታሕ ድማ ነባሪ ዝኾነ ፋይናንሳዊን ካልእን ደገፍ ክረኽቡ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣቕሪባ።
እዚ ድማ ብዩ-ኤን-ዲ-ፒ ክምራሕ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ።
እቲ ሓሳብ ድማ በቶም ቀንዲ ትካላት ፈጠርቲ ስራሕ ኣፍሪቃ ተቐባልነት ረኺቡ።
በዚ ድማ ንክልተ ዓመታት ክዝተየሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብወግዒ ተገሊጹ።
ነቲ ባዕላ ዘቕረበቶ ሓሳብ ባዕላ ክትመርሖ ድማ ተመዚዛ። ኣብ ዝመጽእ ሓዲሽ ዓመት ከኣ ብወግዒ ስራሓ ክትጅምር'ያ።
ዶ/ር እሌኒ፡ ዕዳጋ ምህርቲ ኢትዮጵያ (ECX) ብምምስራት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት 1.2 ቢልዮን ዶላር ዘንቀሳቕስ ትካል ክኸውን ኣኽኢላቶ'ያ።
ንኣስታት 25 ዓመታት ስርዓተ-ግብሪ፡ ንግደን ከምኡ'ውን ንፈጠርቲ ስራሕ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ዝድግፍ ትካላት ዝመስረትት እያ።
ብዘይካ'ዚ፡ ምቹእ ናይ ስራሕ ኣከባቢ ንምፍጣር፡ 'ብሉ ስፔስ' ዝተባህለ ትካል መስሪታ ነይራ።
ናብዚ ሓድሽ መዝነት ምስ ሰገረት'ውን፡ ኣባል ቦርድ ናይቶም ባዕላ ዝመስረተቶም ክልተ ትካላት ኮይና ክትቅጽል ምዃና ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ።