ብሉጻት 10 መገዲ ኣየራት ዓለም ኣየኖት እዮም?

ስካይትራክስ ዎርልድ ኤይርላይን ኣዋርድስ፡ ናይዚ እዋን ብሉፃት ዝበሎም መገድታት ኣየር ወግዓዊ ጌሩ። ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቪዬሽን ዓብይ ግምት ካብ ሞንጎ ዝወሃቦም ሓደ ዝኾነ ሽልማት ስካይትራክስ ዎርልድ ኤይርላይን ኣዋርድስ፡ ኣብ 2021፡ ኳታር ኤይርዌይስ ብሉፅ መገዲ ኣየር ዓለም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ስካይትራክስ ኣብቶም ዝሓለፉ 23 ኣዋርሕ ካብ 13 ሚልየን ገየሽቲ ኣኪበዮ ብዝበሎ ሓበሬታ መሰረት፡ ካብ ኳታር ኤየርዌይስ ቀፂሉ፡

  • መገዲ ኣየር ሲንጋፖር ካልኣይ
  • መገዲ ኣየር ጃፓን ኦል ኒፖን ሳልሳይ
  • ዱባይ መገዲ ኣየር ኢሚሬትስ ራብዓይ
  • መገዲ ኣየር ጃፓን ሓምሻይ ብምባል ብሉፃት መገድታት ኣየር ዓለም ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ትማሊ ወግዓዊ ዝኾነ ስካይትራክስ ዎርልድ ኤይርላይን ኣዋርድስ፡ ካብቶም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ዝተፀርሑ መገዲ ኣየራት ብተወሳኺ፡ መገዲ ኣየር ካቲ ፓሲፊክ፣ ኢቫ ኤይር፣ መገዲ ኣየር ካንታስ፣ መገዲ ኣየር ሃይናን፣ መገዲ ኣየር ፈረንሳይ ብሉፃት መገዲ ኣየር ተባሂሎም ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ተሰሪዖም ኣለዉ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት፡ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ሸውዓተ ደረጃታት ብምምሕያሽ፡ ኣብ መበል 37 ደረጃ ተሰሪዑ።

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከቡ ካልኦት መገድታት ኣየር፡ መገዲ ኣየር ኬንያ ኣብ መበል 79፣ ናይ ሞሮኮ ሮያል ኤይር ማሮክ ኣብ 81፣ ኤይር ሞሪሺየስ ድማ ኣብ መበል 82 ደረጃ ተሰሪዖም ኣለዉ።

ብሉፅ መገዲ ኣየር ኣፍሪቃ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሉፅ መገዲ ኣየር ኣፍሪቃ ተባሂሉ ብስካይትራክስ ዎርልድ ኤይርላይን ኣዋርድስ ተሸሊሙ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ መገዲ ኣየር፡ ብሰለስተ ዘፈራት ኣህጉራዊ መገዲ ኣየር ተባሂሉ።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ኣፍሪቃ ብቢዝነስን ኢኮኖሚን ክላስ ብሉፅ ተባሂሉ ተሸሊሙ።

ኣብ ኣፍሪቃ ብሉፅ ካቢን ክሩ (ሰራሕተኛታት በረራ) ዝሓዘ መገዲ ኣየር ተባሂሉ፡ ሽልማት ስካይትሬክስ ዎርልድ ኤየርላይን ወሲዱ።

ነቲ ሽልማት ስዒቡ ዋና ስራሕ ኣካያዲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተወልደ ገ/ማርያም፡ እቲ ትካል ሽልማት ስካይትራክስ ምርካቡ፡ እቲ መገዲ ኣየር ንገያሾ ዓለምለኸ ደረጃ ዝሓለወ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ዘረጋግፅ'ዩ ኢሉ።

" . . . ሽልማት ስካይትራክስ እቲ መገዲ ኣየር ናብ ትኽክለኛ ኣንፈት የምርሕ ከምዘሎ ዘርእይ'ዩ፡ በዚ ድማ ብዓሙቕ ኩርዓት ነዞም ሽልማታት ክንቅበል ኢና" ኢሉ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ስሙ ዝለዓል ዘሎ ኾይኑ፡ ኣጽዋራት ውግእ ኣጓዓዒዙ’ዩ ክብል ሲኤንኤን ናይ ሰብን ሰነድን መረዳእታ ዘካተተ ጸብጻብ ምውጽኡ ይዝከር። እቲ መገዲ ኣየር ብወገኑ ነቲ ክሲ ነጺጉዎ።

ካልኦት ብሉፃት ኣህጉራዊ መገድታት ኣየር

ስካይትራክስ ንፈረንሳዊ መገዲ ኣየር ኤየር ፍራንስ፡ ናይ ኣውሮጳ ብሉፅ መገዲ ኣየር ክብል ሓርይዎ።

ናይ ብሪጣንያ ብሪቲሽ ኤይርዌየስን ናይ ጀርመን ሉፍታንዛን ድማ ካብ ኤይር ፍራንስ ቀፂሎም ብሉፃት መገድታት ኣየር ኣውሮጳ ተባሂሎም።

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ዘለዉ መገድታት ኣየር ድማ፡ ኣሜሪካዊ መገዲ ኣየር ዴልታ ቀዳማይ እንትኾን፡ መገዲ ኣየር ጄትብሉን ኤይር ካናዳን ከኣ፡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ተሰሪዖም።

መገዲ ኣየር ኳታር ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ዝርከቡ መገድታት ኣየር ብሉፅ ዝተብሃለ እንትኾን፡ ሕቡራት ዓረብ ኤሜሬትስ፣ ኤሜሬትስን መገዲ ኣየር ኢትሃድን፡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ተሰሪዖም።

እቲ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ብኸመይ ተኻይዱ?

ስካይትሬክስ ዎርልድ ኤይርላይን ኣዋርድስ ብዝተፈላለዩ ዘርፍታት እዩ ሽልማት ዝህብ።

ካብ ሞንጎ እዚኦም ብሉፅ ፅሩይ መገዲ ኣየር፣ ብሉፅ ካቢን ክሩን (ሰራሕተኛታት በረራ) ብሉፅ ቢዝነስ ክላስ ዝብሉ ዘርፍታት ይርከብዎ።

ስካይትሬክስ፡ ካብ መስከረም 2019 ክሳብ ሓምለ 2021 ኣብ ዘለዉ 23 ኣዋርሕ፡ ኣብ 13 ነጥቢ 42 ሚሊየን ገያሾ ብመሰረት ዘካየዶ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ'ዩ፡ ብዝተፈላለዩ ዘርፍታት ብሉፃት መገድታታት ኣየር ዓለም ሓርዩ።

ኣብቲ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ልዕሊ 100 ዜግነት ዘለዎም ሰባት ከምዝተሳተፉ ዝገልፅ ስካይትሬክስ፡ ኣብቲ መፅናዕቲ ልዕሊ 350 መገድታት ኣየር ከምዝተሳተፉ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኣብቲ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ንዝተሳተፉ ሰባት ገንዘብ ኣይኸፍልን።