ኣይ.ኦ.ኤም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንተመዛበልቲ መዕቖቢ ንምስራሕ ልዕሊ 21 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ

ትካል ስደተኛታት ዓለም (ኣይ.ኦ.ኤም)ን ካልኦት ኣብ ረድኤት ዝነጥፉ መሻርኽቱን ንልዕሊ 1.8 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተፈናቐሉ ዜጋታት መዕቆብን ገዛውትን ንምህናጽ ዘኽእል 21.1 ሚልዮን ዶላር ክሕገዙ ተማሕጺኖም።

እቶም “ኣዝዮም ተቓላዕቲ” ክብል ዝገለጾም ተፈናቐልቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ሶማልን ኣምሓራን ከም ዝርከቡ እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

“ኲናት ትግራይ ካብ ዝተወለዓሉ ወርሒ ሕዳር 2020 [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ጀሚሩ ዝተፈናቐሉ ልዕሊ 233,900 ሰባት ኣብ 53 ቦታታት- መብዛሕቲኦም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ” ኢሉ።

ገሊኦም ብዘይምጽለሊ ኣብ ደገ ይሓድሩ ከም ዘለዉ ዝሓበረ ትካል ስደተኛታት ዓለም ነቶም ተፈናቐልቲ ዝቐርቡ ዝነበሩ ከም መግቢ፣ ህጹጽ ሓገዝ ሕክምና፣ ማይ፣ ናውቲ ሓለዋ ጽርየትን ጥዕናን ይውድኡ ምህላዎም ኣፍሊጡ።

“ከም ሓበራዊ ጊዚያዊ መጽለሊ፣ ዓይኒ ምድሪ፣ መሕጸቢ ነብሲን ክሽነን ዝበሉ ወሰንቲ ነገራት ንምምላእ ሓገዝ ገንዘብ ኣገዳሲ እዩ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ዝርከብ ሓገዝ ገንዘብ ነቶም ቅድም ክብል ዝተዳለዉ ግዚያዊ መጽለልታት ንናብራ ዝሓሹን ውሑስን ክኾኑ ንምግባር’ውን ከም ዝውዕል ዘረደአ መግለጺ እቲ ትካል “ሓደሽቲ ናይ መጽለሊ ቦታታት ምድላውን ህንጸት ሓደሽቲ ገዛውትን ኣካል እቲ ውጥን እዮም” ክብል ገሊጹ።

“እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት እቶም ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ይጽልውን ንዝተናውሐ ምምዝባል ምኽንያት ይኸውንን ኣሎ” ይብል ኣብ ኢትዮጵያ መተሓባበሪ ጉጅለ ምውሃድን ምሕደራን መዓስከራት (CCCM) ራፋኤል ኣቢስ።

ወሲኹ ድማ “ነተን ተፈናቐልቲ ኣዕቚበን ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ኣገልግሎተን ክምለሳ ናይ ምግባር ውጥን [ንተመዛበልቲ] ናብ ሓደሽቲ ቦታ ምውሳድ ስለ ዝሓትት ተወሳኺ ገንዘብ የድልዮ እዩ” ክብል ኣረዲኡ።

ትካል ስደተኛታት ዓለም ኣብ ወርሒ ነሓሰ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝፈናቐሉ ዝኸውን ኣስታት 70 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክግበረሉ ሓቲቱ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ ዛጊድ ግን ካብ ዝሓተቶ ዝረኸቦ መጠን ገንዘብ 31.7 ሚልዯን ዶላር ከም ዝኾነ ይገልጽ።