ጸገማት ጥዕና ኣጋጢምዎ ምንባሩ ዝተነግረሉ ፕረዚደንት ጅቡቲ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሰሙናት ኣብ ፈረንሳ ሕክምና ክግበረሉ ከም ዝጸንሐ ዝተነግረሉ ወዲ 73 ዓመት ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጊለ ናብ ሃገሩ ከም ዝተመለሰ መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ኣርቲዲ ጸብጺባ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ነቲ፡ ፕሬዝደንት ጊለ ጸገማት ጥዕና ከም ዘጋጠሞን ኣብ ፈረንሳ ሕክምናዊ ክትትል ይገብር ኣሎ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘውር ዝነበረ ሓበሬታታት ነጺግዎ እዩ።
ብሰንበት እቲ ፕረዚደንት ካብ ነፋሪት ክወርድን ምስቶም ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ሰበስልጣን ክራኸብን ከሎ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብቴለቪዥን ተዘርጊሑ።
እቲ ፕረዚደንት ንውልቃዊ ዑደት ናብ ፈረንሳ ገይሹ ምንባሩ እታ መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ጅቡቲ ገሊጻ።
ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ምትእኽኻብ ንተግባር ዴሞክራስን ኤኮሎጅያዊ ልምዓትን (ኣርኤዲዲኢ) እቲ ጉዳይ ብምስጢር ምትሓዙ ነቒፉ።
ካብ 1999 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዑመር ገለ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝተኻየደ መብዛሕትኦም ተቓወምቲ ሰልፍታት ዘይተሳተፉሉ ምርጫ ንሓሙሻይ ግዜ ምምራጹ ይዝከር።
ጅቡቲ ነታ ወደብ ኣልቦ ዝኾነት ኢትዮጵያ ቀንዲ መተሓላለፊ ንግዲ ክትከውን እንከላ ካብ ክራይ ወደብ ልዑል ኣታዊ እያ እትረክብ።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ስትራቴጂካዊ ቦታ እትርከብ ጅቡቲ ናይ ብዙሓት ሓያላት ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ዝርከበላ እያ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







