ኣብ ከተማ ጅቡቲ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ዓፋርን ሶማልን ብዝተወለዐ ጎንጺ 'ህይወት ከምዝጠፍአ'

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ጅቡቲ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ዓፋርን ሶማልን ብዝተፈጠረ ጎንጺ ህይወት ከምዝጠፍአን ንብረት ከምዝዓነወን ተሓቢሩ፡፡
መንግስቲ ጅቡቲ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ማሕበረሰባት ዝተወለዐ ጎንጺ ኮኒኑ ኣሎ፡፡
ቁጽሪ በቲ ጎንጺ ዝሞቱ ግዳያት እንተዘይተገለጸኳ፡ ሰላማውያን ሰባት ምዃኖም ግን መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም፡፡
ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ጅቡቲ ኑህ ሓሰን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ተወለደቲ ክልቲኦም ብሄራት ዝተወለዐ ጎንጺ ‘‘ከምዘይዕገስ’’ ንመራኸቢ ብዙሃን ገሊጹ፡፡
እቲ ጎንጺ ኣብ ዝተወለዓሉ እዋን፡ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓጸሉን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ እምኒ ከምዝተደርበየን እውን እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ሓቢሩ፡፡
ኣብቲ ጎንጺ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ እዮም መሰኻኽር ዓይኒ ዝገልጹ፡፡
ዜጋታት ካብ ዝኾነ ዓይነት ጎንጺ ክቑጠቡ ጻውዒት ዘቕረበ ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ጅቡቲ፡ ናዕቢ ኣብ ዘላዕሉ ውልቀ ሰባት ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣጠንቂቑ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገርባዒሰ ኣብ ዝባህለት ከተማ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ዓፋርን ሶማልን ብዝተወለዐ ጎንጺ ብዙሓት ሰባት ምሟቶም መንግስቲ ክልል ሶማል ምግላጹ ይዝከር፡፡
ክልቲአን ክልላት ብመሬት ይግበአኒ ክሰሓሓባ ጸኒሐን እየን፡፡ ኣብቶም ዝሰሓሓባሎም ከባቢታት ድማ ተደጋጋሚ ጎንጺታት ይረኣዩ፡፡
በቶም ጎንጺታት ሰላማውያን ሰበት እንትሞቱ ብዙሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መግለጺ ዝሃበት ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቢለኔ ስዩም፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ዝተወለዐ ጎንጺ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ መንግሰቲ ነቲ ጸገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪባ ነይራ፡፡
ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ገርባዒሰ ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ንጅቡቲን ኣዲስ ኣበባን ዘራኽብ ጽርግያን መስመር ባቡርን ንመዓልቲታት ብሰልፈኛታት ተዓጽዩ ምንባሩ ይዝከር፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







