ኣብ ኢትዮጵያ ሽድሽተ ህጻናት ብበርቂ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ መነ ሲቡ ኣብ ሓንቲ መንደር ዝነብሩ ሽድሽተ ቆልዑ ብበርቂ (መብረቕ) ተወቒዖም ከምዝሞቱ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ሓደ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ ዝኾነ ነባሪ ቀበሌ ጎምቦ ቂልጡ ኣይተ ኦልጂራ ዲባር፡ እቶም ግዳያት ዕድሚኦም ካብ 12 ክሳብ 14 ምዃኖም ሓቢሩ።

በቲ ሓደጋ ንኢሽተይ ሓፍቱ ዝሰኣነ ቀነኒ ዝተበሃለ ካልእ ነባሪ፡ እቲ ሓደጋ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ከምዘጋጠመ ብምዝኽኻር “ሕሳስ ልደ እያ። ተምሃሪት 7ይ ክፍሊ ኮይና ዕድሚኣ ገና 14 ዓመት ነይራ” ክብል ሞት እታ ሓፍቱ ኣብቲ ስድራ ከቢድ ሓዘን ከምዝፈጠረ ኣረዲኡ።

ኣይተ ኦልጅራ ከምዝብሎ እቲ ሓደጋ መብረቕ ኣብ ከባቢኦም ክኽሰት ከሎ ከቢድ ዝበሃል ዝናብ ኣይዘንብን ነይሩ።

እቶም ቆልዑት ፈልሲ ንምትካል ብሓባር ይኸዱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን በቲ ሓደጋ መብረቕ ከምዝሞቱ ሓፍቱ ዝሰኣነ ቀነኒ ተዛሪቡ።

“ናብቲ ፈልሲ ዝተኽሉሉ ቦታ ይኸዱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝናብ ክዘንብ ጀሚሩ። ሽዑ ኣብ እግሪ ኦም ኣዕቒሎም። ኣብታ ኦም እናሃለዉ ከኣ ብመብረቕ ተወቒዖም” ክብል የረድእ ኣይተ ኦልጂራ።

ግዳያት እቲ ሓደጋ መብረቕ ሓደ ወዲ ዝርከበን ሓሙሽተ ደቂኣንስትዮን ኮይነን ትማሊ ስርዓተ ቐብሪ ተፈጺሙ።

ኣብ ከባቢኦም ሓሓሊፉ ሓደጋ መብረቕ ከምዘጋጥምን ህይወት ሰባት ከምዝጠፍእን ዘዘኻኸረ ኣይተ ኦልጂራ፤ ክንድዚ ብዝሒ ሰባት ዝተቐተሉሉ ክስተት ግን ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ገሊጹ።

“ስራሕ ፈጣሪ እዩ”

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮሚያ ዝኾነ ሰብ ብመብረቕ ተወቒዑ ህይወቱ ክስእን ከሎ፡ እቲ ማሕበረሰብ ‘ሞይቱ’ ወይ ‘ህይወቱ ሓሊፋ’ ኣይብልን። መብረቕ ናይ ፈጣሪ ስራሕ ከምዝኾነ ስለዝእመን ነበርቲ ‘ፈጣሪ ከይቕየም’ ብዝብል ‘እንኳዕ ኮነ’ እዮም ዝብሉ።

“እቲ ማሕበረሰብ መብረቕ ስራሕ ፈጣሪ ከምዝኾነ እዩ ዝኣምን። ኣብ ከባቢና ከምዚ ዝበለ ነገር ከጋጥም ከሎ ‘ፈጣሪ ይፈልጥ’ ነቲ መዋቲ ከኣ ‘ፈጣሪ ስለዝፈተዎ’ እዩ ዝበሃል” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ሰሜን ሸዋ ከተማ ገብረ ጉራቻ ነባሪ ዝኾነ ኣይተ ኣመዴ ኣበራ ብወገኖም ኣብቲ ንሶም ዝነብሩሉ ከባቢ’ውን ተመሳሳሊ እምነት ከምዘሎ ይገልጹ።

“መብረቕ ጉድኣት እንተደኣኣብጺሑ ‘እንኳዕ ኮነ’ እዩ ዝባሃል። ስራሕ ፈጣሪ ስለዝኾነ ማለት’ዩ። እንተተቖጢዕኻ ግን እቲ ሓደጋ መሊሱ ከጋጥም ከምዝኽእል ይእመን” ክብሉ ኣረዲኦም።

ሳይንስ ብዛዕባ መብረቕ እንታይ ይብል?

ኣብ ብሄራዊ ሜትዎሮሎጂ ኢትዮጵያ በዓልሞያ ትንበያ ኩነታት ኣየር ኣይተ ጫሊ ደበሌ፡ መብረቕ ‘ቁጠዐ ፈጣሪ’ ዝበሃል ልክዕ ከምዘይኮነ ይገልጽ።

“ሳይንስ ከምዝብሎ ዝሑልን ውዑይን ኣየር ክጋጨው ከለዉ ኤልክትሪክ ይፈጥሩ። እዚ ከኣ ‘ፖዘቲቭ’ [ኣወንታ]ን ‘ኔጋቲቭ’ [ኣሉታን] ሓይሊ ኣለዎ። እቲ ናብ መሬት ዝቐርብ ‘ኔጋቲቭ’ ኮይኑ፤ ኤልክትሪክ ናብ ዘመሓላልፉ ነገራት ክበጽሑ ከለዉ ድማ ሓይሊ ይፍንዉ” ክብል የረድእ።

ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ፤ ዕዑቕ ዘይኮነ ሽፋን ደኒ ዘይብሎም ቦታታት ንሓደጋ በርቂ ዝተቓልዑ እዮም።

በርቂ ኣብ ዝህሉ ክግበሩ ዘለዎመ ጥንቃቐታት፡

  • ብቕልጡፍ ናብ ዓብዪ ህንጻ ወይ ገዛ ምእታው
  • ሜዳን ቅሉዕን ቦታ እንተኾይኑ ብቕልጡፍ ካብቲ ቦታ ምርሓቕ
  • ካብ ኩርባታት ወይ ኣሳግድ ምርሓቕ
  • መዕቖቢ ኣብ ዘይርከበሉ ቦታ እንሃሊኻ ድማ ኣብ ዘለኻዮ ኮፍ ብምባልን ርእስኻ ናብ ታሕቲ ብምድፋእን ተጨባቢጥካ ኮፍ ምባል
  • ኣብ ቅሉዓትን መይዳታትን ዝርከቡ ኣእዋም ወይ ንውሕ ዝበሉ ተኽልታት ክትሕባእ ዘይምፍታን
  • ከም መሐምበሲ ኣብ ዝበሉ ማያዊ ቦታታት እንተሃሊኹም ብቕልጡፍ ናብ ደረቕ ቦታ ምውጻእ