ኣብ ዋና ከተማ ኮንጎ ዘጋጠመ ሓደጋ በርቂ 20 ሰባት ቀቲሉ

ኮንጎ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ እግድ ምንቅስቓስ ሰባት ክተፈጸም ኣብ ዝጀመረትሉ ፈለማይ መዓልቲ 20 ሰባት ብመብረቕ ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ኣብታ ሃገር ዛጊድ 22 ሰባት ኮሮናቫይረስ ክርከቦም ከሎ፡ ክልተ ድማ ሞይቶም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ኪንተለ ዝኾነት ስቴላ መንሳህ ሳዱ ጉይሶ፡ እቶም ግዳያት በቶም ብበርቂ ተወቒዖም ዝወደቑ መስመራት ኤለክትሪክ ከምዝሞቱ ኣረዲኣ።

መሰኻኽር ዓይኒ ብወገኖም ሓደ መስመር ኣብ ዝባን መንበሪ ገዛ ከምዝወደቐን ኣብ ውሽጡ ንዝነበሩ ሰባት ከምዝቐተለን ተዛሪቦም።

እቲ ካልእ መስመር ኤለክትሪክ ድማ ኣብ ውሽጢ መረባ ኣብ ዝነበረ ዕቑር ማይ ምስዓረፈ፡ ምኽንያት ሞት ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ኮይኑ።

ኣብ ዞባ ኪንተለ ንሰዓታት ዝጸንሐ ከቢድ ማይ ወቒዑ'ዩ።

ንኹሎም በቲ ሓደጋ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ሰባት ናብ ሆስፒታል ብኣምቡላንስ ምምልላስ ስለዘይተኽኣ ናይ ውልቀ (ብሕዚ) መኻይን ክረባረባ ተራእየን።