ኣብ ሶማልያ ምስዋር ሓንቲ ኣባል ስለያ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደትን'ታ ሃገር ኣጓኒጽዎም

ኣብ ሶማልያ ሓንቲ ኣባል ኣሃዱ ጸጥታ ካብ ከተማ ሞቃዲሹ ድሕሪ ምስዋራ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንትን እታ ሃገር ዘሎ ፍልልያት ይሰፍሕ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለ፡ ሓላፊ ትካል ስለያ እታ ሃገር ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ኣይሓዞን ብዝብል ካብ ስርሑ ደው ክብል ትእዛዝ እኳ እንተኣመሓላለፈ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ግና ናብ ስርሑ መሊስዎ።

እቲ ትካል ስለያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ኢክራን ታሕሊል ዝተባሃለት ኣባል ኣሃዱ ጸጥታ ብኣባላት ኣልሸባብ ከም ዝተጨውየትን ከም ዝተቐትለትን እዩ ሓቢሩ። ኣልሸባብ ግና ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

ጉዳይ ኢክራን ኣብ መላእ ሶማልያ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

እታ ጓል 25 ዓመት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ብናይ መንግስቲ መኪና እያ ካብ ገዝኣ ክትወጽእ ተራእያ።

ኣዛዚ ትካል ስለያ ሶማልያ ፋሃድ ያስሚን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣልሸባብ ጨውዮም ቀቲሎምዋ ኢሉ።

እንተኾነ ግና ኣልሸባብ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ሓላፊ ትካል ስለያ ካብ መዝነቱ ክእለይ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እኳ እንተኣዘዘ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ግና ናብ መዝነቱ መሊስዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ገለ ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ኢክራን ታሕሊል ብዛዕባ እቶም ንስልጠና ናብ ኤርትራ ዝተወሰዱን ኣብ ኲናት ትግራይ ከም እተሳተፉ ዝግለጽን ወተሃደራት ሶማል እትፈልጦ ተኣፋፊ ሓበሬታ ስለ ዘለዋ ክትጠፍእ ከምዝተገበረ ይኸስሱ።

ወላዲት ኢክራን ግና ጓላ ክትመለስ ወይ’ውን ፍትሒ ክትረክብ ትጽውዕ ኣላ።