እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዘደንት ሶማልያ ዘመነ ስልጣኑ ድሕሪ ምንውሑ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ሞቓዲሾ ተዋጊኦም
ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓዲሾ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጸጥታ ኲናት ከም ዝተወልዐ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ጸብጻባት ከም ዝሓበሮ ሞርታር ዝርከቦም ከበድቲ ኣጽዋር ናብ ከባቢ ቤተመንግስቲ ተተኲሱ።
ገለ ክፋል ሰራዊት እታ ሃገር ንፕረዚደንት መሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆ ክድግፍ እንከሎ ካልኦት ይቃወምዎ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ፕረዚደንት ዘመነ ስልጣኑ ንኽልተ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣዘራራቢ ኮይኑ ጸኒሑ።
እቲ ውሳነ ብሕቡራት ሃገራት ኮነ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝርከብዎ ኣሕጉራዊ ማሕበረሰብ ሓያል ተቓውሞ እዩ ገጢምዎ።
እቲ ብሰንበት ኣብ ሓደ ከባቢ ዝጀመረ ጎንጺ ናብ ካልእ ክፋላት እታ ከተማ ከም ዝለሓመ ካብ ሞቃዲሾ ዝተረኽበ ጸብጻባት ይሕብር።
እቲ ኲናት ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ ዝኸኑ ሓይልታትን ንተቓወቲ ዝድግፉ ሰራዊትን እኳ እንተነበረ ናይ ቀደም ጎይቶት ኲናትን መራሕቲ ቀቢላታትን ከም ዝተሓወስዎ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺበን።
ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ዛጊት ዝተፈለጠ የሎን።
ብመሰረት ጸብጻብ መርበብ ሓበሬታ 'ካሲማዳ ኦንላይን' ንመንግስቲ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ብምውጻእ፡ ጎማታት ከቃጽሉ እንከለው፤ እቶም ዕጡቓት ንገለ ክፋል ሰሜናዊ ሞቓዲሾ ተቖጻጺሮም ኣለው።
እቶም ሰልፈኛታት "እቲ ዘመነ ስልጣን ክናዋሕ ኣይንደል። ንፋርማጆ ኣይንደልን። ምልካዊ መንግስቲ ኣይንደልን" ዝብል ጭርሖታት የስምዑ ምንባሮም እውን ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን መራሒ ተቓውሞ ዓብዲራሕማን ዓብዲሻኩርን ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ወተሃደራት ንመንበሪ ገዝኦም ከም ዘጥቅዑ ተዛሪቦም።
ኣማስይኡ ሚኒስተር ጸጥታ ሶማልያ፡ ሓሰን ሁንደበይ ጂማል፡ ኣስማተን ዘይገለጸን ገለ ሃገራት ወጻኢ ብድሕሪ እቲ ናዕቢ ከም ዘለዋ ከሲሱ።
ንሱ ብቴለቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ዝተወደቡ ጉጅለታት ሚሊሻ ኣብ ሞቓዲሹ ዕግርግር ንምፍጣር ከም ዝተላእኹን ሓይልታት ጸጥታ ግቡእ ስጉምቲ ከም ዝወሰዱሎምን ተዛሪቡ።
ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝቐጸለ ጎንጺ ዝዓነወት ሶማልያ፡ ኣብ 2012 ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝተደገፈ መንግስቲ ድሕሪ ምትካሉ ናብ ምርግጋእ ክተምርሕ ጸኒሓ እያ።
እንተኾነ፡ ብምኽንያት ምንዋሕ መዓልቲ ምርጫ፡ ዘመነ ስልጣን ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብ ወርሒ ለካቲት ድሕሪ ምብቅዑ፡ ነታ ሃገር ናብ ሓድሽ ዕግርግር ሸሚምዋ ኣሎ።
ገለ ዓለምለኻውያን ሓገዝቲ'ውን እቲ ዝህብዎ ሓገዝ ብምቁራጾም፡ መንግስቲ ሕጽረት ገንዘብ ገጢምዎ ኣሎ።
ምርጫ ሶማል ብዝተወሳሰበ ዘይቀጥታዊ መገዲ ዝግበር ኮይኑ፡ ሽማግለታት ናይ ቀቢላታት ንኣባላት ፓርላማ ይመርጹ እቲ ፓርላማ ድማ ፕረዚደንት ይመርጽ።
ኣብዚ እዋን ግና ጉዳይ ምምቕራሕ ስልጣን ከምኡ'ውን ሓድሽ ኮምሽን ምርጫ ኣብ መንጎ ዞባታት ምስሕሓብ ፈጢሩ'ሎ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ፖለቲካዊ ጉዳያት እታ ሃገር ልዕሊ ዛዕባታት ለበዳ፡ ወራር ኣንበጣን እስላማውያን ዕጡቓትን ኣቓልቦ ይስሕብ ከም ዘሎ ብዓርቢ ሓቢሩ ነይሩ።