ኣብ ርእሰን ተላጊበን ዝተወለዳ መናቱ ብሕክምና ክፈላለያ ተገይሩ

ኣብ ርእሰን ተላጊበን ካብ ዝውለዳ ሓደ ዓመት ዝመልአን መናቱ ብተገበረለን ዘይልሙድ ናይ ምፍልላይ መጥባሕቲ ንፈለማ እዋን ገጽ ንገጽ ክረኣኣያ በቒዐን ተባሂሉ።

እቲ ኣብ እስራኤል ማእኸል ሕክምና ሶሮካ ዝተኻየደን 12 ሰዓታት ዝወሰደን መጥባሕቲ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረሉ ተገሊጹ።

ብዙሓት እስራኤላውያንን ካልኦት ካብ ደገ ዝመጽኡ ሰብሞያ ሕክምናን ከምዝተሳተፉሉ’ውን ተፈሊጡ።

ዛጊድ ስም ከይወጽአለን ዝጸንሓ መናቱ ብድሕሪ እቲ ዝተገበረለን መጥባሕቲ ኩነታት ጥዕነአን ጽቡቕ ከምዘሎ ተሓቢሩ’ሎ።

ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና መጥባሕቲ ማእኽል ሕክምና ሶሮካ፡ ኤልዳድ ሲልበርስቲን “የተንፍሳን መግቢ ይወስዳን ኣለዋ” ክብል ኣብ እስራኤል ንዝርከብ ማዕኸን ዜና ’ቻናል 12 ኒውስ’ ተዛሪቡ።

ከምዚ ዝበለ ሕክምና መጥባሕቲ ኣብታ ሃገር ንፈለማ እዋን ዝተገበረ ኮይኑ፤ ብደረጃ ዓለም ድማ 20 ግዜ ጥራይ ተኻይዱ።

“ኩሉ ነገር ከምዝሓሰብናዮ ክፍጸም ብምኽኣሉ ኣዚና ተሓጒስና’ለና” ኢሉ ላዕለዋይ ኪኢላ መጥባሕቲ ርእሲ ሚኪ ጊድዮን።

እተን ኣብ ዓመተ 2020 ወርሒ ነሓሰ ዝተወለዳ ቆልዑ ብድሕሪ ዝተገበረለን ሕክምና መጥባሕቲ ስሩዕ ህይወት ክህለወን ትጽቢት ይግበር።