እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወጽአ ህጻን ናይ በረኻ ቃንጥሻ በሊዑ ሞይቱ
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ካቡል ዝወጸ ወዲ 5 ዓመት ኣፍጋኒስታናዊ ህጻን ኣብ ኣውሮጳዊት ሃገረ ፖላንድ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ናይ በረኻ ቃንጥሻ በሊዑ ከምዝሞተ ሰብመዚ ሓቢሮም።
ምስኡ ዝነበረ ወዲ 6 ዓመት ሓዉ'ውን ነቲ መርዛም ቃንጥሻ በሊዑ ብምሕማሙ፡ ጸላም ከብዱ ከምዝተተከአ ሓደ ሓኪም ተዛሪቡ።
እቶም ህጻናት፡ ብ23 ነሓሰ ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምውጽኦም፡ ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ዋርሳው ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ምጽንሖም ተፈሊጡ።
ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም ነቲ ቃንጥሻ ከምዝበልዑን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን ተገሊጹ።
"ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ንክልቲኦም ቆልዑ ከነድሕኖም ኣይክኣልናን" ክብል ንሞት ናይቲ ህጻን ዘረጋገጸ ዳይረክተር ናይቲ ሆስፒታል ዶ/ር ማረክ ሚግዳል ተዛሪቡ።
ክሕከም ዘይኸእል ናይ ኣእምሮ ሃስያ ስለዝወረዶ፡ ከም ሓዉ ጸላም ከብዱ ክትካኣሉ ኣይካኣለን ይብል እቲ ሓኪም።
ኣብቲ ማእከል እትቕመጥ ጓል 17 ዓመት ኣፍጋኒስታናዊት'ውን፡ ነቲ ቃንጥሻ ብምብላዓ፡ ሕክምናዊ ክንክን ተገይሩላ ከምዝተፋነወት ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ፍጻመ ይምርመር ከምዘሎ ኣኽበርቲ ሕጊ ፖላንድ ገሊጾም ኣለዉ።
ገለ ጸብጻባት ሚድያ ፖላንድ ከምዝበልዎ፡ ሓደ ስድራቤት ካብቶም ስደተኛታት ነቲ ቃንጥሻ ካብ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዱር ኣርዮም መረቕ ኣዳልዮም።
እኹል መግቢ ብዘይምርካቦም ነቲ ቃንጥሻ ክበልዑ ከምዝተገደዱ ዝገልጹ ጸብጻባት ሰበስልጣን'ቲ ከባቢ ነጺጎሞ ኣለዉ።
እቶም ካብ ካቡል ዝገዓዙ ስደተኛታት "ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ" ይበልዑ ከምዘለዉ፡ ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ወጻእተኛታት ፖላንድ ጃኩብ ዱድዚያክ ተዛሪቡ።
ሰራሕተኛታት ናይቲ ማእከል፡ እቶም ስደተኛታት ነቲ ቃንጥሻ ከይብልዑዎ መጠንቀቕታ ሂቦሞም ከምዘለዉ'ውን ሓቢሩ።
መንግስቲ ፖላንድ ከምዝብሎ፡ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 250 ዓይነታት መርዛም ቃንጥሻታት ኣለዉ፡ ብፍላይ ገለ ካብኦም'ውን ቀተልቲ ምዃኖም ይፍለጥ።
እቶም ቆልዑ ኣካል ናይቶም ብሰራዊት ፖላንድ ካብ ካቡል ዝገዓዙ ልዕሊ 1000 ምስ ሓይልታት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያን እዮም።
ዝበዝሑ ኣብታ ሃገር ዝቕጽሉ ኮይኖም፡ እቶም ኣብ ክንዲ ካልኦት ሃገራትን ዓለምለኻውያን ውድባትን ሰራዊት ፖላንድ ዘውጽኦም ግን ናብ ካልእ ቦታታት ክሰጋገሩ'ዮም።