ዮርዳኖስ፡ ዝተመረዘ ስጋ ዝበልዑ ልዕሊ 800 ሰባት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም

ኣብ ሃገረ ዮርዳኖስ፡ ዝተመረዘ ስጋ በሊዖም ዝሓመሙ ልዕሊ 800 ሰባት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን ሓደ ቆልዓ ከምዝሞተን ተሓቢሩ።

እቲ ቆልዓ፡ ብሰንኪ እቲ ዝተመገቦ መርዛም መግቢ፡ ሕማም ልቢ ከምዝሓዞን ሓካይም ዳግማይ ከበራብርዎ ፈቲኖም ከምዘይከኣሉን ተገሊጹ።

እቲ ቤት-ብልዒ ብሕሱር ዋጋ ሻዋረማንን ካብ ስጋ ዝተሰረሓ እንበቲቶን ይሸይጥ ከምዝነበረን ማዕከናት ዜና ዮርዳኖም ገሊጸን።

ሰብ-መዚ እታ ሃገር ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ስጋ ኣብ ፍሪጅ ከይኣተወ ኣብ ልዑል ሙቐት ዘለዎ ቃልዕ ቦታ ተቐሚጡ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ምስ’ዚ ጉዳይ ተተሓሒዙ፡ ዋና እቲ ቤት-ብልዒ ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም ኣለው።

በቲ ብሮቡዕ ዘጋጠመ ምምራዝ መግቢ፡ 4 ሰባት ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ከንከን ኣቲዮም ከምዘለውን፡ ከባቢ 321 ሰባት ድማ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘለውን ሚኒስተሪ ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ።

"ኩሎም እቶም ዝሓመሙ ሰባት ካብ ሓደ ቤት-ብልዒ’ዮም ተመጊቦም" ክብል ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ።

እቲ መግቢ ብፍርቂ-ዋጋ ይሽየጥ ብምንባሩ፡ ዓማዊል ድማ ነቲ ዕድል ተጠቂሞም ብብዝሒ ኣብቲ ቤት ብልዒ ክመገቡ ከምዝመጽኡ ይግለጽ።

ብመሰረት ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ እቲ ስጋ ኣብ ቃልዕ ቦታ ስለዝተቐመጠ ብባክተርያ ከምዝተመረዘ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዮርዳኖስ 40 ዲግሪ ዝበጽሕ ሓያል ሙቐት ኣሎ።