እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መርዚ ኣንጭዋ ንሰብ ዝተጠቐመ ገበነኛ ተኣሲሩ
ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ ኢጣልያዊ መንእሰይ ክፉኣት እዮም ንዝበሎም ኣብ ዓባዩን ኣቦሓጉኡን ታንታለም ብዝተባህለ መርዛም ስሚ ክቐትል ብምፍታኑ ተኸሲሱ ተኣሲሩ ኣሎ።
እቲ ተኸሳሲ ዓባይኡን ኣቦሓጉኡን ንምቕታል ታንታለም ከምዝተጠቐመ ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ።
ማቲያ ዴል ዞቶ ዝተብሃለ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ መግቢ ዓባይኡን ኣቦሓጉኡን መርዛም ኬሚካል ብምጥቃም ተኸሲሱ ኣሎ።
ካልኦት ሓሙሽተ ኣዝማዱ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።
እዚ መንእሰይ፡ ኣብ ኮምፒዩተሩ ብዝተረኸበ መረዳእታ ቅብሊት መሰረት ገይሩ ፖሊስ ከሲሱዎ ዘሎ።
ተኣሲሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ "ክፉኣት ሰባት" ንምቕጻዕ'የ ከምኡ ገይረ ኢሉ።
እቲ ታልታለም ዝተባህለ ኣባላት ስድርኡ ንምቕታል ዝተጠቐመሉ መርዚ፡ ኣብ ማይ ምስ ኣተወ ጣዕሚ ዘይብሉን ቀልጢፉ ዝመክኽን ከምዝኾነ ተገሊጹ።