ኤርትራ፡ ብዛዕባ መደበር 'ቃኘው' እንታይ ትፈልጡ?

ንብዙሓት ኤርትራውያን፡ "ቃኘው ስቴሽን" ዝበሃል ስም እንክለዓል እቲ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓስኪሮሙሉ ዝነበሩ ግዜን ቦታን የዘክሮም ይኸውን።

ኣብ መጋቢት 1941 ምምሕዳር ሩዝቨልት፡ ነቶም ኣብ ሊብያን ግብጽን ኣንጻር ሰራዊት ጀርመን ዝዋግኡ ዝነበሩ ወተሃደራት ብሪጣንያ ንምድጋፍ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ብ"ለንድ-ሊዝ" ዝፍለጥ፡ ፕሮግራም ወተሃደራዊ ሓገዝ ንኽትረክብ ፍቓድ ኣሕለፈ። ብድሕሪኡ፡ ሓይልታት ብሪጣንያ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ፡ ዝርከብ ናይ ቀደም መደበር መራኸቢታት ጣልያን - መደበር ራድዮ ማሪና - አሐዲሶም ክጥቀምሉ ከምዝጀመሩ ሰነዳት ይሕብሩ።

ኢንሳይክሎፔድያ ኢትዮፒካ'ውን መዓስከር ቃኘው፡ ሰራዊት እንግሊዝ ንኤርትራ ምስ ኣተወ ነቲ ብራድዮ ማሪና ዝፍለጥ ዝነበረ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን፡ ከመይ ኢሉ ናብ መንግስቲ ኣሜርካ ከም ዝተሰጋገረ ይገልጾ'ዩ፣ እዚ ብ1943 ምዃኑ'ዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ኸኣ ነቲ መደበር ኣተዓራርዮም ከም ዝተጠቕምሉ ይሕብር።

ኣብ 2ይ ዉግእ ዓለም መንግስቲ ኣሜሪካ ንወፈራታት እንግሊዝ ንክሕግዝ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘድሊ ወትሃደራዊ ስርሓት ንምክያድ ስትራተጂካዊ ቦታ ኣብ ዘናድየሉ ዝነበረ እዋን ንኤርትራ መረጸ። ምኽንያቱ ኤርትራ ኣብ በሪኽ ቦታ፡ ጥቃ ገምገም ባሕሪ፡ ንማእከላይ ምብራቕ ንምቍጽጻር ብልጫታት ስለ ዝነበራ።

እቲ 'ቃኘው' (Kagnew) ዝብል ስም ድሓር'ዩ መጺኡ። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ 'ቃኘው' ዚብል ስም ክልተ ትርጕም ኣሎዎ። እቲ ቀዳማይ፡ ብ1896፡ ኣብ ጊዜ ዉግእ ዓድዋ ምዃኑ'ዩ፡ ሓደ ተወጣሓይ ዘይነበሮ ናይ ዉግእ ፈረስ ፈጽ ኢሉ ኣብ ድፋዓት ጣልያን ጠኒኑ ብምእታው በታተኖም ይበሃል። እቲ ካልኣይ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ 50'ታት ኣብ ኮርያ ዘሰለፈቶ ቦጦሎኒ ብ 'ቃኘው' ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ።

ሓፈሻዊ ተራ ቃኘው ...

ሚከላ ሮንግ ዝተባህለት ጸሓፊት ኣብ'ቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝጸሓፈቶ መጽሓፋ (I didn't do it for you …) ብዛዕባ ተራ ቃኘው ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኤምበራጦራዊት ኢትዮጵያ'ውን ከይተረፈ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ታሪኽ ኣቕሪባ'ያ። ቃኘው ኣብ ኤርትራ ብምትካሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሕ ረብሓታት ከም ዝነበሮ'ውን ብሰፊሑ ገሊጻ።

ቃኘው፡ ብተዘዋዋርን ቀጥታውን ኣገባብ፡ ኢትዮጵያ ናብ ዘመናዊት ሃገር ንክትሰጋገር ሓጊዙ'ዩ። እዚ ማለት፡ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ስምምዕ ብምእታው፡ ወትሃደራታ ኣብ ምስልጣን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ምትካል፡ ዘመናዊ ትምህርቲ ኣብ ምትእትታው፡ በብዓይነቶም ትካላት (ምክልኻል ኣንበጣ፡ ቨትረናርዮ ስርሓት፡ ወፍሪ ሕርሻታት ... ወዘተ.) ኣብ ምትካል ተራ ነይሩዎ።

"ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ብ1960 ብመንግስቱ ንዋይ (ንኣባላት ክቡር ዘብዐኛ ሒዙ) ዝተፈጸመ ናይ ዕልዋ ፈተነ፡ ቃኘው ብዝተጻወቶ ተራ'ዩ ክድሕን ክኢሉ" ትብል ሚከላ ሮንግ።

እቲ ፈተነ ዝተኻየደሉ እዋን ጃንሆይ ኣብ ብራዚል'ዮም ነይሮም። ኵሉ መራኸቢታት ተዓጽዩ ስለ ዝነበረ ቃኘው፡ ብእሙናት ጀነራላት ኢትዮጵያ ኣቢሉ ዘድሊ ሓበሬታት ኣብ ምስርጫው ተራ ነይሩዎ። ጃንሆይ ብላይበርያ ኣቢሎም ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተዉ፡ ኣብ ቃኘው ተዓቕቡ፡ ብሓገዝ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ እቲ ዘድሊ ሓገዝ ከኣ ተገብረሎም። እቲ ታሪኽ ንምሕጻሩ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቶም ዕልዋተኛታት ንምድኻም ላዕልን-ታሕትን ብምባል ንጃንሆይ ኣብ ስልጣኖም ከም ዝምለሱ ገይሩ'ዩ።

እቲ ብ1953፡ ሓደ ዓመት ድሕሪ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኢትዮጵያን ሕ.መ.ኣ.ን ብዕሊ ኣብ ስምምዕ ኣተዋ - ንቃኘው ን25 ዓመታት ንምክራይ። ብሓጺሩ ጸብጻብ ሚከላ ሮንግ ከም ዘርኣዮ፡ ኢትዮጵያ ካብ 1946 - 1972 $180 ሚልዮን ዶላር ወትሃደራዊ ሓገዝ ክትረክብ ከኣለት።

ናብ ተራ ቃኘው ኣብ ኤርትራ ክንምለስ፡ ከምዚ ሎሚ ከይተረስዐ፡ ተራ መደበር ቃኘው ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ዓቢ'ዩ ነይሩ። እቶም ጌና ብህይወቶም ዘሎዉ ደቂ-ኣስመራ ብዛዕባ ቃኘው ዘለዎም ዕላል ብዙሕ'ዩ። ሓደ ካብኦም ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ዳዊት መስፍን ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ'ዩ።

"ኣብ 50ታት፡ 60ታት፡ ቀዳማይ ፍርቂ 70ታት ቃኘው ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ሓደ ካብ'ቶም ዓበይቲ ወሃብ ስራሕ'ዩ ነይሩ" ይብል ዳዊት።

"ብዙሓት ሰራሕተኛታት ተጠቒሞም'ዮም - ከም ሰራሕተኛታት ቤት-ጽሕፈት፡ ቤት-ዕዮ (ጸረብቲ ሓጺንን ዕንጸይት፡ ኤለክትሪከኛታት፡ ነደቕቲ ... ወዘተ)፡ ዘወርቲ መካይን፡ ተለኣኣኽቲ፡ ዘብዐኛታት፡ ሰራሕተኛታት ገዛ (ደቂ ተባዕትዮ)፡ ኣለዓዓልቲ ገዛ (ደቂ'ንስትዮ) ከምኡ'ውን ምስ ቃኘው ዝተኣሳሰሩ ካልኦት ስርሓት ዝሰርሑ ወፊሮም ዝኣትዉሉ ዘበን ነበረ" ይብል።

"እዚ ዅሉ ክከናወን ኣብ ወሰናስን ዝነበረ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ'ውን ተጠቒሙ'ዩ ... ከም ሰብ ድኳን፡ ሰብ ባራት፡ ኣካረይቲ ገዛ ዝኣመሰሉ። ብዙሓት ኤርትራውያን'ውን ተሞኵሮ ናይ ስራሕን ጥበብን ቀሲሞም'' ይብል ዳዊት መስፍን።

ቃኘው ክንደይ ዝኣኽሉ ንኡሳን መደበራት ሒዙ ነይሩ?

ቃኘው፡ ስፍሓቱ 14 ትርብዒት ኪ.ሜ'ዩ ኰይኑ 185 ህንጻታትን 40 ኪ.ሜ ዝንውሓቶም ጽርግያታትን ነይሩዎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብትሪኮላታ ዝተሓጽሩ ሸሞንተ ንኡሳን መደበራት ተኸፋፊሉ ነበረ። ንሳቶም ብ 'ትራክት' ይፍለጡ ነበሩ (Tract A - Tract H)።

ትራክት-ኤይ ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ ዀይኑ ብራድዮ ማሪና ዝፍለጥ ቦታ'ዩ ነይሩ፣ ሕጂ ሰፈር ተጋደልቲ/ወትሃደራት ኰይኑ'ሎ።

ትራክት-ቢ ናይ 'ስትራትኮም' መደበር'ዩ ነይሩ። 'ስትራትኮም' ምስ ግትኣተ-ዉግእ ዝተኣሳሰር መደበር ምዃኑ'ዩ ። ትራክት-ቢ ኣብ ጥቃ መዕረፎ ነፈርቲ ኰይኑ ዓበይቲ ራዳር ተተኺሉዎ ዝነበረ ቦታ'ዩ ነይሩ።

ትራክት-ሲ ጥቃ መደበር ቃኘው (ትራክት-ኢ፡ እቲ ዝዓበየ ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ ዝርከብ መደበር ምዃኑ'ዩ) ኣዝዮም ነዋሕቲ ኣንተናታት ዝተዘርኦ ናይ ራድዮ መልእኽትታት ዝዋፈርሉ ቦታ ነበረ።

ትራክት-ዲ፡ ጥቓ ሓጽቢ ዝነበረ መደበር፡ ናይ 'ስትራትኮም' ትራንስሚተር ተተኺሉዎ ዝነበረ ቦታ፡ ብ1972 ብተጋደልቲ ከም ዝዓኑ ተገብረ።

ትራክት-ኢ፡ ኣብ ምዕራብ ትራክት-ኤይ ዝርከብ ቦታ፡ እቲ ዝዓበየ ቀንድን መደበር'ዩ ነይሩ። ብ1953 እቲ 'ቃኘው ስተሽን' ዚብል ስም ዝለገቦ። ትራክት-ኢ ነብሱ ዝኸኣለ ከተማ'ዩ ነይሩ። ንእሽቶን ምጭውትን ከተማ ኣሜሪካ ነበረት። መንግስቲ ኣሜሪካ ትራክት-ኢ ንምህናጹ 77 ሚልዮን ዶላር ኢዩ ወጻኢ ገይሩ (ብናይ ሎሚ ዋጋ ክትመን ከሎ 777 ሚልዮን ዶላር'ዩ)። ሎሚ መዓስከር ደንደን ዚብል ስም ተዋሂቡዎ ይርከብ።

ኣብ ትራክት-ኢ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ህንጻታት፡ ቤት-ትምህርትታት፡ ኮለጅ፡ ሆስፒታል፡ ቤት ፖስጣ፡ መዘናግዒ ቦታታት (ሲነማ፡ ምሸታዊ ክበባት፡ ናይ ስፖርት ቦታታት፡ መሐንበሲ፡ ቦውሊንግ)፡ ዓበይቲ ድኳናት፡ መዐደል በንዚና፡ ባንካ፡ መደበር ረድዮን ተለቪዥንን፡ ዝተፈላለዩ ቤት ዕዮታት፡ ቤት-ቍርስን መግብን፡ መውዓለ-ህጻናት፡ ቤት-ንባብ፡ ጋራጃት ... ትካላት'ዮም ነይሮም።

ኵሉ ኣብ ማእከል-ዕዳጋ ዝፈስስ ዝነበረ ስበዛ ብቀጥታ ካብ ኣሜሪካ ብነፈርቲ ብዳህራን ስዑዲ-ዓረብን፡ ብመራኽብ ኣብ ወደብ ባጽዕን መዓልታዊ ይኣቱ ነበረ።

ኣብ ማዕሪኡ፡ ንቤት መኻእ ገጹ፡ መጻወቲ ጎልፍ፡ መቀዳደሚ መኪናን ሞቶርሳይክላትን፡ መዓለሚ ጨመታ ... ብሓጺሩ ኩሉ ነይሩዎ።

ትራክት-ኤፍ ካብ ኣስመራ ዉጽእ ኢሉ ናይ ኣሜሪካ ሓይሊ ባሕሪ ተቐበልቲ ትራንስሚተራት ዝተተኽሎ ቦታ ነበረ።

ትራክት-ጂ ኣብ ጉራዕ ዝተተኽለ ናይ ስትራትኮም ሳተላይት ተርሚናል (መኽተያ ቦታ) ዀይኑ፡ ትራክት-ኤች ግን ናይ ሓይሊ ባሕሪ ትራንስሚተር ቦታ ነበረ።

ስርሓት ቃኘው ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ዝነበረሉ እዋን ብጠቕላላ ዳርጋ ሓሙሽተ ሺሕ ኣሜሪካውያን ሒዙ ነበረ። ኣብ ትራክት-ኢ ቦታ ስለ ዝጸበበ ኣብ ትራክት-ኤይ ሓደስቲ ኣባይቲ ተሰሪሖም ይግዕዙ ነበሩ። ብዙሓት ካብኦም ድማ ኣብ ኣስመራ ቪላታት ይካረዩ ነበሩ።

ካልእ ተራ ቃኘው

ሰነዳት መንግስቲ ኣሜሪካ ከም ዘርእይዎ፡ ሓደ ክፋል ናይ መደበር ቃኘው ብ 'ቀጽሪ ሕርሻ' (Kagnew Farms) ዝፍለጥ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ (ሰሜናዊ ምዕራብ) ዓቢ መዛነይን ናይ ስፖርት ሜዳታትን ነበረ። 'ቀጽሪ ሕርሻ' ብ 1961 ተተኽለ። ብ 1965 ከኣ ብ'ገዛ-እምኒ' (STONEHOUSE) ዝበሃል ካምቦ ተተክአ።

ተራ ስቶንሃውስ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን - ናይ ምስጢር ቦታ ነበረ። መንግስቲ ሕ.መ.ኣ. ንስርሓት ስቶንሃውስ ካብ ሚስጢራውነት ነጻ ምስ ገበሮ ንመጀመርያ ጊዜ ኣስመራ መዋፈሪ ናይቲ ዝዓበየ መደበር ስለያ ከም ዝነበረ ተጋህደ።

"ብቖልዑትና መደበር ቃኘው ናይ ስለያ ቦታ ከም ዝነበረ ኣይንፈልጥን ነርና" ይብል ዳዊት። "ንዓና ዝግድሰና ዝነበረ እቲ ሽዑ ዝተኣታተወ ናብራ፡ ዕንደራ፡ እጹብ ባህላዊ ምርኢት፡ ሙዚቃ፡ ተለቭዥን፡ ፊልምታት ነበረ" ኢሉ ወሰኸሉ።

እቲ ብስቶንሃውስ ዝፍለጥ መደበር ካብ 1965-1975 ነጢፉ ሰርሐ። ጸኒሑ ግን፡ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ምስ ተወዓወዐ ስቶንሃውስ ስርሑ ከቋርጽ ተገደደ። መንግስቲ ሕ.መ.ኣ. ከኣ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ መሳርሒታትን ሰነዳትን ኣዕንዮም ወጽኡ።

ብኻልእ ሸነኹ፡ ቃኘው ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ-ሰናይ ስርሓት ይዋፈር ነይሩ። ንስንኩላት፡ ምናዳ ንማሕበር ዓይነ-ስዉራን በብእዋኑ ሓገዛት ይህብ ነይሩ።

ብእዋን ቃኘው ኣብ ባጽዕ ጣንጡ ጸኒቶም ከም ዝነበሩ ይዝከር። ሓደ ናይ ቃኘው ኣበርክቶ ምትካል ወለንታዊ ማሕበር መምህራን ነበረ። እቶም መምህራን ጊዜኦም ብዘፍቅዶ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርትታት (ምናዳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ) ብናጻ ይምህሩ ነበሩ።

ዳዊት መስፍን ከም ዘዘንተዎ፡ "ህላወ ቃኘው ንመንእሰያት ኤርትራ፡ ምናዳ ንደቂ ከተማታት ኤርትራ፡ ቀልቡ ይስሕብ ስለ ዝነበረ ዳርጋ ኣብ ካልእ ዓለም ይነብሩ ነይሮም ክበሃል ይከኣል" ይብል። ንሱ ንባዕሉ ውጽኢት ናይ'ቲ ወለዶ'ቲ ምዃኑ ይዛረብ ... ክልተ ኣሕዋቱ ኣብ ቃኘው ይሰርሓ ከም ዝነበረ፣ ሰብኣይ ሓብቱ ድማ ኣብኡ ሓላፊ ምንባሩ ይዝከሮ።

ብ60'ታት ን24 ሰዓታት ሙዚቃ ኣሜሪካ ምስማዕ፡ መጋዚንን መጽሓፍ-መስሓቄን (comic books) ምንባብ፡ ተለቪዥን ምርኣይ ልሙድ ከም ዝነበረ ኸኣ የዘንቱ።

ደርጊ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ስርሓት ቃኘው ቀነሰ፣ ብ1977 ከኣ፡ እቶም ወተሃደራት ኣሜሪካ ተጓሕጒሖም ምስ ወጹ፡ እቲ ኹሉ ንብረት ኣብ ኢድ ደርጊ ኣተወ።

"ቃኘው ምስ ተዓጽወ ብዙሕ ሰብ ካብ ስራሕ ወጸ፣ ቍጠባ ኣስመራ ኸኣ ክዳኸም ጀመረ። ደርጊ ነቲ ዝወረሶ ንብረት ተኸናኺኑ ንክሕዞ ዓቕሚ ኣይነበሮን። እቲ ተሪፉ ዝነበረ ዝርአ-ዝርአ ኣሰራት ቃኘው ሃሰሰ፣ እቲ ንብረት ዓንዩ ተረፈ። እቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ህላዌ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ከኣ ጨሪሱ በረሰ" ይብል ዳዊት።