እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወሰንቲ ፍጻመታት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ
ኤርትራ ኣብ 1993፤ ድሕሪ ናይ 30 ዓመት መሪር ኲናት ናጽነታ ረኺባ።
እንተኾነ፤ ድሕሪ ናጽነታ'ውን ብምልካዊ መግዛእትን ምስ ጎረባብታ ብዝነበረ ምትፍናንን ተሃስያ እያ።
ኤርትራ፤ ምስ ሱዳን ኢትዮጵያን ጁቡትን እትዳወብ ኮይና፤ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ እትውንን ሃገር እያ።
ኣብ 2018፡ ኢትዮጵያ ሃንደበት ጻውዒት ሰላም ክሳብ ዘቕረበትሉ እዋን፤ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት፡ ንከባቢ 20 ዓመታት ብኣጽዋርን ወተሃደራትን ዝሕሎን ምትፍናናት ዝዓሰሎን ኮይኑ ጸኒሑ።
ኤርትራ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ዘለዋ ሃገር እያ። ብቐጻልነት ዘጋጠመ ጎንጽን ድርቅን ንሕርሻ እታ ሃገር ሃስዩዎ እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።
ከም ግምት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ቀረባ ዓመት ንሃገሮም ገዲፎም፡ ከቢድ ጉዕዞ ምድረ በዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን እናሰገሩ ናብ ኣውሮጳ ተሰዲዶም እዮም።
ሓቅታት ብዛዕባ ኤርትራ
መራሒ እታ ሃገር
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኤርትራ ኣብ 1993 ናጽነታ ካብ እትረክብ ጀሚሩ ነታ ሃገር ይመርሓ ኣሎ። ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ድማ እንኮ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኤርትራ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ 1997 ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከይተኻየደ ተሪፉ፤ ኣብቲ ዓመት ዝተነደፈ ቅዋም'ውን ኣይተተግበረን።
ኣብ 1966 ናብ ቃልሲ ሓርነት ኤርትራ ዝተጸምበረ ኢሳይያስ፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት'ዩ መራሒ ናይቲ ቃልሲ ክኸውን በቒዑ። ኣብ 1991 ኣቦመንበር ግዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኮይኑ።
ድሕሪ 'ሪፈረንደም' ድማ፡ ኣብ 1994 ፕረዚደንት ኤርትራን ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶን ኮነ። በዚ ኣቢሉ ድማ፤ ንፈጻሚ ኣካልን ሓጋጊ ኣካልን ክቆጻጽር ክኢሉ።
መራኸቢ ብዙሓን
መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብታ ሃገር ንዝነበራ ጋዜጣታት ብሕቲ ዓጽዩወን እዩ። ስለዝኾነ ድማ፤ ብመንግስቲ ዝውነና መራኸብቲ ብዙሓን ጥራይ እየን ኣብታ ሃገር ዘለዋ።
ኣብ ደገ ብዝነብሩ ኤርትራውያን ዝቖማ ኣማራጺ መራኸቢ ብዙሓን ኣለዋ፤ እንተኾነ፡ ዝርገሐ ናይዘን መራኸቢ ብዙሓን ኣዝዩ ድሩት እዩ። እቲ ምኽንያት ናይዚ ድማ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ትሑት ቀረብ ኢንተርኔት እዩ።
ገለ ወሰንቲ እዋናት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ:
300-600 - እታ ናይ ሕዚ ኤርትራ ኣካል ንግስነት ኣክሱም ነይራ።
1889-1941 - ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢጣልያ።
1941-52 - ሓይልታት ብሪጣንያ ንኤርትራ ተቖጻጺሮምዋ።
1952 - ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ብፌደሬሽን ኣብ ኢትዮጵያ ክትመሓደር ወሲኑ።
1961- ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተጀሚሩ።
1962 - ኢትዮጵያ ነቲ ፌደሬሽን ኣፍሪሳቶ፤ እዚ ድማ ንብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ሓይሊ ወሲኽሉ።
1991 - ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንስርዓት ደርግ (ኢትዮጵያ) ብምስዓር ተዓዊቱ።
1993 - ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ ብሪፈረንደም ወሲና።
1997 - ዴሞክራሲያዊ ቅዋም ተነዲፉ፤ ግን ኣይተተግበረን።
1998-2000 - ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ዶብ ተኻይዱ።
2018 - ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ፈጺመን፡ ኩነተ ኲናት ብወግዒ ከምዘብቀዐ ኣዊጀን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ኣልዒሉ።