እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት ን 20 ዓመታት ዝተኣሰረ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይሳቕ ክፍታሕ ጸዊዑ
ሰብ ሞያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ን 20 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሩ ዘሎ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ጸዊዖም፡፡
ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ጋዜጠኛ ክሲ ቀሪቡሉ ከምዘይፈልጥን ምስ ጠበቕኡ ዝኾነ ርከብ ከምዘይብሉን ሓቢራ፡፡
ንሳ፡ ኣብ ድሕነት እቲ ጋዜጠኛ ስግኣት ከምዘሎ ብምግለጽ ሰብ ስልጣን ኤርትራ ብህይወት ምህላዉ ዘረጋግጽ መረዳእታ ከቕርቡ ተማሕጺና፡፡
ስዊዲናዊ-ኤርትራዊ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ 1990ታት ካብቶም ፈላሞት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝጀመረ ሓደ እዩ፡፡
ንሱ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ለውጢ ክግበር ናይ ዝሓተቱ ፖለቲከኛታት ደብዳበ ምስ ኣሓተመ እዩ ተኣሲሩ፡፡
ዳዊት ኢሳቕ መን እዩ?
ዳዊት ኢሳቕ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ኮይኑ፡ ኣብ 2001፡ መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ውልቂ ጋዜጠኛታትን ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ኣብ ዝኣሰረሉ ምስቶም ናይ ውልቂ ጋዜጤኛታት'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ብመሰረት ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ክሳብ 2005 ብህይወት ከምዘሎ ጽንጽንታ'ኳ እንተነበረ፡ ካብኡ ንደሓር ግን ሃለዋቱ ኣይፍለጥን።
መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ይብል?
ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥቅምቲ 2020፡ ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክትፈትሖ ጠሊቡ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ዳዊት ኣበይ ከምዘሎ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክህቡን፡ ከምኡ'ውን ንወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንመንግስቲ ሽወደንን ክርእይዎ ከፍቅድን፡ ንጥዕናዊ ኩነታቱ ብዝምልከት ዘድልዮ ዘበለ ሓገዝ ክግበረሉን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ኤርትራ ግን ነዚ ጠለብ፡ ብሓፈሽኡ "መርዛም" ምትእትታው ክትብል እያ መልሲ ሂባትሉ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብመንገዲ ትዊተር ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "እዚ ስግንጢር ትሕዝቶን ቅኒትን ዘለዎ ውሳነ፡ ካብቲ [እቲ ባይቶ] ን20 ዓመታት ዝተኸተሎ ዝፈሸለ 'ናይ ስርዓት ለውጢ' ፖሊሲታት ካብ ዘይምስላጡ ዝተበገሰ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ድሕሪ እተን ኣብ መስከረም 2001 ዝተዓጸዋ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ናጻ ፕረስ ዘይተፍቅድ ሃገር ኮይና ትርከብ።