ንሚልዮናት ህጻናት ኣፍሪቃ ተስፋ ዝሃበ ፈተነ ሕክምና ሕማም ዓሶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህጻናት ኣፍሪቃ ካብ ዓሶ ንምክልኻል ዓሊሙ ፈተነ ዝካየደሉ ዘሎ ሓድሽ ሜላ ሕክምና፤ ብሰንኪ እቲ ሕማም ንዘጋጥም ሞትን ስቅያትን ብ 70 ሚኢታዊት ክንክይ ከምዝኽእል ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ኣቐዲምካ ንምክልኻል ብዝብል ቅድሚ’ቲ ዓሶ ብስፍሓት ዝረኣየሉ ወቕቲ ዝወሃቡ መከላኸሊ መድሓኒታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ብመሰረት እቲ ኣብ ፈተነ ዘሎ ውጽኢታዊ መስርሕ ድማ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝወስድዎ መድሓኒታት ክታበት ክወሃቦም’ዩ ዝግበር።
ካብዚ ፈተነ ድማ ኣዝዩ ዘስደምም ውጽኢታት ከምዝተረኸበ ተመራመርቲ እንግሊዝ ሓቢሮም።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ዕድሚኦም ትሕቲ 17 ኣዋርሕ [ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን] ኣብ ዝኾኑ 6,000 ህጻናት ክትትል ብምግባር ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ’ሎ።
ዓመታዊ ብሰንኪ ዓሶ ካብ ዝኽሰት ሞት 400,000 ሰባት እቲ ዝበዝሕ ዕድሚኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ኣብ ዝኾኑ ቆልዑ ዘጋጥም’ዩ።
እዚ ብሰንኪ ጣንጡ ዝመጽእ ሕማም ሎሚ’ውን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ትሕቲ-ሳህራ ኣፍሪቃ ቀንዲ ጠንቂ ጥዕና ኮይኑ ቀጺሉ’ሎ።
መበርትዒ ክታበት
ኣብ ‘ኒው ኢንግላንድ ጆርናል ኦፍ ሜዲሲን’ ዝተሓተመ ውጽኢት እቲ ፈተነ፤ ጣንጡ ዝራብሓሉን ዓሶ ዝበዝሓሉን ወቕቲ ኣብ ዝቃረበሉ ጊዜ ነቲ ቅድም ክብል እውን ኣብ ረብሓ ውዒሉ ዝጸንሐ ክታበት ምስ ጸረ-ዓሶ መድዓኒታት ብሓደ ጊዜ ነቆም ቆልዑ ክወስዱ ከምዝተገበረ የመልክት።
“ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ዕውት ኮይኑ” ይብል ኣባልን መራሕን ጉጅለ ተመራመርቲ ትካል መጽናዕቲ ስነ-ጥዕናን ትሮፒካዊ ኣፋውስን ለንደን ፕሮፌሰር ብሪያን ግሪንዉድ።
“ቁጽሪ ኣብ ሆስፒታል ዝድቅሱ ሕሙማት ነክዩ፤ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት’ውን ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ንክዩ። ነዚ ውጽኢት ክንርእይ ኣይተጸበናን ኔርና” ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ።
ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ምርምር ቅድሚ እቲ ዓሶ ዝበዝሓሉ እዋን ክታበትን መድሓኒታትን ብምሃብ ዝናብ ዝወቕዓሉ ጊዜ ቅድሚ ምብጽሑ ድማ ተወሳኺ መጠናኸሪ (መበርትዒ) ክታበት [‘ቡስተር ዶዝ’] ክወስዱ ተገይሩ።
እዚ ድማ ካብቲ ክታበት ወይ መድሓኒት ንበይኑ ምውሳድ ብዝሓሸ ነቲ ረኽሲ ናይ ምቅላዕ ሓደጋ ኣብ ምክልኻል ውጽኢት ከምዝተረኸቦ ዝሓበሩ ተመራመርቲ፤ ህይወት ሚልዮናት ህጻናት ኣፍሪቃ ኣብ ምድሓን ተስፋ ከምዝህልዎ ገሊጾም።
ካብ ሞንጎ’ቶም ነቲ ክታበታት ምስ መድሓኒታት ብሓባር ዝወሰዱ ኣሸሓት ቆልዑት ከኣ፡
- 624 ዓሶ ተረኺብዎም
- 11 ህጻናት ዓሶ ብጽኑዕ ስለዝሓመሙ ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ተሓኪሞም
- 3 ሞት ኣጋጢሙ
ብኣንጻሩ መከላኸሊ መድሓኒታት ጥራሕ ካብ ዝወሰዱ ህጻናት፡
- 1,661 ዓሶ ተረኺብዎም
- 37 ህጻናት ዓሶ ብጽኑዕ ስለዝሓመሙ ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ተሓኪሞም
- 11 ድማ ብሰንኪ ዓሶ ⶁይቶም
ስለዝኾነ እቲ ክታበትን መድሓኒታትን ደሪብካ ኣብ ምውሳድ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ኣዝዩ ዝገርም ውጽኢት ከምዝተረኸቦ ተመራመርቲ የረጋግጹ።
እቲ ክታበት ‘ኣር ቲ ኤስ ኤስ’ [RTS,S] ዝባሃል ኮይኑ ቅድሚ 20 ዓመታት ብ ‘ግላክሶስሚዝክላይን’ ዝፈረየ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ጸላም ከብዲ ብቕልጡፍ ንዝራብሑ ጽግዕተኛ ህዋሳት ይቐትል። ጸረ-ዓሶ መድሓኒታት ከኣ ኣብ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ሰብነትና ንዘለዉ ጽግዕተኛ ህዋሳት ከምዘጥቅዑ ይፍለጥ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ፕሮግራም ዓሶ ዶክተር ፔድሮ ኣሎንሶ “ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ እዋን ክረምቲ ብሰንኪ ዓሶ ዘጋጥም ሞትን ሕማምን ክከላኸል ዝኽእል ፈጠራዊ ኣጠቓቕማ ክታበት ተቐቢልናዮ ኣለና” ክብል ርእይትኡ ሂቡ’ሎ።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ዝኾነ ዓይነት ጎናዊ ሳዕቤናት ኣብቶም ህጻናት ከምዘይተረኣየ ተገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







