ፈላሚ ክታበት ሕማም ዓሶ: ኣብ ህጻናት ክፍተን ምዃኑ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, D Poland/PATH
ናይ ዓለምና ፈላሚ፡ ሰፊሕ ፈተነ መድሃኒ ክታበት ሕማም ዓሶ ኣብ ማላዊ ክጅመር`ዩ። እዚ ክታበት`ዚ ንቖልዑ ብውሱን መልክዑ ካብ ዓሶ ዝከላኸል`ዩ።
እዚ ኣርቲኤስ ዝተባህለ ክታበት ነቲ ኢሚዩን ሲስተም ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ውሽጢ ኣካላትና ካብ ሕማም ዝከላኸለልና ነገር ዘፍሪ ተኸታቲሉ ንሕዋሳት ዓሶ ዘጥቅዕ`ዩ።
ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ዝተኻየዱ ንኣሽቱ ፈተነታት፡ ኣስታት 40 ሚእታዊት ካብ`ቶም ዝተኸትቡ ካብ 5 ክሳብ 17 ወርሒ ዝዕድሚኦም ህጻናት ጥዕንኦም ውሑስ ኮይኑ`ዩ።
ነቲ ቀታሊ ሕማም ንምጥፋእ ድሕሪ ዝተገብረ ናይ ዓሰርተ ዓመት ዕዉት ምርብራብ፡ መልከፍቲ ዓሶ ከምብሓድሽ እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል።
ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጹ ዓመታዊ ጸብጻባት፡ መጠን ዓለማዊ መልከፍቲ ዓሶ ከንቆልቁል ብዘይምኽኣሉ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ልዕሊ 90 ሚእታዊት ናይ`ቶም ብዓሶ ዝተለኽፉን 435,000 ዝሞቱን ኣፍሪቃውያን`ዮም ነይሮም። ብፍላይ ቆልዑት ነቲ ሕማም ዝተቓልዑ`ዮም።
ኣብ 2017፡ ኣብ ማላዊ ኣስታት ሓሙሽተ ሚሊዮን መልከፍቲ ከምዝነበሩ ተረጋጊጹ፡ በዚ ምኽንያት ድማ`ያ`ታ ሃገር ንኬንያን ጋናን ሓዊሳክ ኣብ`ዚ ሰፊሕ ናይ ክታበት ፈተነ ክትኣቱ ተመሪጻ።
ዕቤት ናይ ሰላሳ ዓመታት
እዘን ሃገራት ዋላ`ኳ ዓሶ ንምጥፋእ ምጥቃም ላምሲያ ሓዊሳካ ሓያሎ ዓበይቲ መደባት እንተኣካየዳ ገና ዓቢ መተን መልከፍቲ ስለዘለወን`የን ኣብ`ዚ ናይ ሕጂ ዝካየድ ሰፊሕ ፈተነ ክኣትዋ ተመሪጸን።

ስነ-ፍልተታውያን ናይ`ቲ ጂኤስኬ ዝተባህለ መድሃኒት ዘፍሪርይ ትካል ኣብ 1987 ምስ መሃዝዎ፡ እዚ ናይ ክታበት መድሃኒት`ዚ ንሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ፈተነ`ዩ ጸኒሑ።
ንፓት ማለሪያ ኢኒሸይቲቭ ሓዊስካ ብሓያሎ ውድባት ዝተደገፈን ሓደ ቢሊዮን ዶላር ዝወድአ ናይ ዓመታት ፈተነ ድማ`ዩ ኣብ`ዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ በጺሑ።
እዚ ናይ ሕጂ ፈተነ ብውድብ ጥዕና ዓለም`ዩ ዝወሃሃድ ዘሎ። እዚ ናይ ክታበት መድሃኒት`ዚ ንህጻናት ገለ ውሕስነት ዝህብ ናይ ፈለማ መድሃኒት`ዩ ኢሉ ኣቲ ውድብ።
እዚ 40 ሚእታዊት ናይ ምክልኻት ብቕዓት ዘለዎ መድሃኒ ክታበት፡ ምስ ዓይነታት ክታበት ካልኦት ሕማማት ኣወዳዲርካ፡ ክሳብ ክንዲ`ቲ ልዑል ብቕዓት የብሉን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ንላምሲያን ጸረ-ባልዕን ንዝኣመሰሉ ኣቐዲሞም ኣብ ጥቕሚ ንዝጸንሑ ናይ መከላኸሊ ሜላታት ድርዒ ይኸውን`ዩ ኢሉ።
`ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ኣቋሚትካ እትርእዮ 90 ሚእታዊ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ምክልኻል ብቕዓት ዘለዎ ናይ መድሃኒት ክታበት የለን` ኢላ ኣባል ውድብ ጥዕና ዓለም ሜሪ ሃመል ንማዕከን ዜና ብሉምበርግ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
`እዚ መድሃኒት ክታበት`ዚ ኣብ`ዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ምብጽሑ ግን መድሃኒት ክታበት ዓሶ ክስራሕ ከምዝከኣል የርእየካ። ረኻብ መንገዲ ክኸውን`ዩ` ድማ ኢላ ንሳ።
እቲ ክታበት ኣርባዕተ ጊዜ ክዋሃብ ኣለዎ፡ ማለት ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ንሰልተ ወርሒ፡ ድሕሪ 18 ሰሙናት ድማ እታ ራብዓይትን ናይ መወዳእታን ትዋሃብ።
እዚ ናይ ሕጂ ናይ ፈተነ እዋን ክሳብ 2023 ክቕጽል ትጽቢት ይግበረሉ።
እቲ ፈተነ ብማላዊ ጀሚሩ ኣብ ዝቕጽሉ ሳምንታት ናብ ኬንያን ጋናን ክሓልፍ`ዩ።መድሃኒት ክታበት ዓሶ ቆልዑ ኣብ ማላዊ ይፍተን






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







