ንኣርባዕተ መዓልታት ደሃያ ዝተስኣነት ጓል ዓመትን 10 ወርሕን ብህይወት ኣብ ጫካ ተረኺባ

ሩስያዊት ቆልዓ ሓደ ዓመትን 10 ወርሕን ንኣርባዕተ መዓልታት ደሃያ ጠፊኡ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ ውሽጢ ጫካ [ዱር] ብህይወት ተረኺባ።

ሊዩዳ ኩዚና ካብ ገዝኣ ምስጠፍአት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ኣለሻ ከምዝተዋፈሩ’ዩ ዝግለጽ።

መግብን ማይን ከይረኸበት ንመዓልታት ደሃይ ኣጥፊኣ ዝቐነየት ሊዩዳ ኣብ ምሉእ ሰብነታ ካብ ዝረአ ንክሲት ነፍሳት [ባልዓት] ወጽኢ ካልእ ዝኸፍአ ነገር ከየጋጠማ ከምዝተረኸበት ተፈሊጡ’ሎ።

ሓደ ናብ ኣለሻ እታ ህጻን ካብ ዝወፈሩ ሰባት ንድምጻ ምስ ሰምዐ ክትርከብ ከምዝኸኣለት ተሓቢሩ።

“ጓለይ ደጊማ ካባይ ከምዘይትጠፍእ ንዝኣተወትለይ ቃል ክሳብ ክንደይ ተፈጽሞ ትኸውን ዝብል’ኳ እንተዘይፈለጥኩ፤ ከምኡ ከምዘይትገብር ግን ነጊራትኒላ” ክትብል ኣዲኣ ኣንቶኒያ ኩዚና ንሓደ ናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ተዛሪባ።

ኣብዚ እዋን እታ ህጻን ኣብ ሆስፒታል ህጻናት ሕክምና ዘላ ኮይና፤ ሕክምንኣ ወዲኣ ንምውጻእ ምስ ኣዲኣ እናተጸበያ ቴሌቪዥን ሩስያ ኣዘራሪብወን’ዩ።

እቲ ኩነታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ምስ ኣጋጠመ ስድራን ጎረባብትን ናብ ሻቕሎት ከምዝኣተዉ ይግለጽ።

ንሳ ምስ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ምዕባያ ሓቢረን እናተጻወታ ከለዋ ተፈልያ ናብቲ ጫካ ከምዝኣተወትን ደሃያ ከምዝተኣሰነን ድማ ይዝረብ።

400 ወለንተኛታት እቲ ከባቢ ምስ ፖሊስ ብምዃን ኣለሻ ጀሚሮም። ኪኢላታት ሓመሳ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከቡ ጎዳጉዲ ማይ ብምእታው ኣለሻ ኣካይዶም ክረኽብዋ ግን ኣይከኣሉን።

ብድሕሪ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ኣለሻ ከኣ ሓደ ካብቶም ብብዙሕ ኣንፈታት ናብ ኣለሻ ዝወፈሩ ጉጅለታት ካብ መንበሪ ገዛ እታ ህጻን 4 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ንዕረፍቲ ኮፍ ኣብ ዝበሉሉ እዋን ድምጺ ሰሚዖም።

“እቶም ወለንተኛታት ኣብ ፈለማይ መዓልቲ’ውን ካብቲ ቦታ ከባቢ ብዙሕ ከምዘይረሓቑ ነጊሮምኒ። ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ግን ድምጺ ስለዝሰምዑ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኦም ረኺቦምዋ” ኢላ ኣዲኣ።

ታሪኽ ምጥፋእ ህጻን ሊዩዳ ምስ ሓደ ብ 2016 ኣብ ሰርቢያ ን72 ሰዓታት ጠፊኡ ቦኻሩን ድቢታትን ኣብ ዝነብሩሉ ጫካ ዝተረኸበ ቆልዓ ሰለስተ ዓመት ዝመሳሰል ኮይኑ ተረኺቡ’ሎ።

እቲ ኣፈላላዮም ንሱ ንእሽተይ ቸኮሌት ኣብ ኢዱ ሒዙ ዝነበረ ኮይኑ፤ ሊዩዳ ግን ዋላ ሓደ መግቢ ኣብ ኢዳ ኣይነበራን።