እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልዕሊ 800 ስደተኛታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ዓባይ ብርጣንያ ኣትዮም
ብቀዳም ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 800 ስደተኛታት 'ንእንግሊዝ ቻነል' ብምቁራጽ ናብ ዓባይ ብርጣንያ ብምእታዎም፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ዓባይ ብርጣንያ ካብ ዝኣተዉ ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣስታት 200 ስደተኛታት'ውን ብሓለዋ ባህሪ ፈረንሳ ተታሒዞም ናብ ዓባይ ብርጣንያ ካብ ምስጋር ከምዝተዓገቱ እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመት ክሳብ ሕጂ 12500 ስደተኛታት ንእንግሊዝ ቻነል ኣቃሪጾም ናብ ዓባይ ብርጣንያ ኣትዮም ኣለዉ።
ሰብ መዚ ንስደተኛታት ሕጋውን ድሑንን መንገዲ ስለዘሎ፡ ነቶም 'ብሓደገኛ መንግዲ' ካብን ናብን ሃገራት ዝሰግሩ ስደተኛታት ንምክልኻል ምስ መሻርኽቶም ኮይኖም ይሰርሑ ምህላዎም ይጠቅሱ።
ሰብ መዚ ዓባይ ብርጣንያ እቶም ብቀዳም ንእንግሊዝ ቻነል ኣቋሪጾም ናብ ዓባይ ብርጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ቁጽሮም 828 ኮይኑ ብ30 ጀላቡ ተጠቂሞም ከምዝሰገሩ ገሊጾም፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ 19 ጀላቡ ተሰቂሎም ናብ ብረጣንያ ክሰግሩ ዝፈተኑ 193 ስደተኛታት ኸኣ ብፈረንሳ ከምዝተተሓዙ ተገሊጹ።
ሰንበትን ሰኑይን ግን ንእንግሊዝ ቻነል ኣቋሪጾም ናብ ዓባይ ብርጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ከምዘየለዉ ተገሊጹ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ 12 ነሓሰ 592 ሰድትኛታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ንእንግሊዝ ቻነል ኣቓሪጾም ናብ ዓባይ ብርጣንያ ድሕሪ ምእታዎም እቲ ቁጽሪ ዝልዓለ ተባሂሉ እዩ ተመዝጊቡ ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፈረንሳን ዓዲ እንገሊዝን ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ፈረንሳ ኣብ ሓለዋ ባሕሪ እንግሊዝ ቻነል ተዋፍሮም ሰራዊት ብዕጽፊ ከተዛይዶም እያ፡ ብዘይካ እዚ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ንሓድሕደን ሓበሬታ ብምልውዋጥ ነቶም ነዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዘወሃህዱ ሰባትን ጉጅለን ኣብ ምህዳን ክዋፈራ እየን።
መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሕግጋት ሓተትቲ ዑቕባ ብምትራር ቁጽሪ ስደተኛታት ክንኪ'ዩ ዝሓስብ።
ብመሰረት እዚ ካብ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ተነዲፉ ዘሎ ሕጊ እንተጸዲቑ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዶብ ዓባይ ብርጣንያ ሰጊሩ ዝኣተወ ሰብ ክሳብ 4 ዓመት ክእሰር ዘገድድ ሕጊ ተነዲፍዎ ይርከብ።
እዚ ናይ ቀዳም ክስተት ዓባይ ብርጣንያ 5000 ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ሕጂ ክትቅበል፡ ኣብ መጻኢ ኸኣ ነቲ ቁጽሪ ናብ 20 ሽሕ ክብ ከተብሎ ቃል ኣብ ዝኣተወትሉ እዩ ዘጋጥም ዘሎ።