እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጣሊባን፡ ብኹሉ ኣንፈት፡ ናብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል፡ ይኣትዉ'ለዉ ተባሂሉ
ሓይልታት ጣሊባን፡ ናብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ይኣትዉ ምህላዎም ጸብጻባት ሓቢሮም።
ዝበዝሕ ግዝኣታት ኣፍጋኒስታን ዝተቖጻጸሩ እቶም ዕጡቓት፡ ናብታ ርእሰ ከተማ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ክኣትዉ ዝተራእዩ ኾይኖም፡ ካብ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከቢድ ዝባሃል ተቓውሞ ከምዘይገጠሞም እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ጣሊባን ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሓይልታቱ ኣብ ወሰናወሰን እታ ከተገማ ክጸንሑን ዘሊቖም ናብ ውሽጢ ከይኣትዉን ሓቲቱ።
እዚ ድማ ብዙሓት ሰአላማውያን ሰባት በቲ ኲናት ከይህሰዩ ብምሕላይ ከምዝኾነ እቲ መግለጺ የመልክት።
ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋኒ፡ ብትዊተሩ ኣቢሉ፡ ኣብ ገለ ከባብታት እታ ከተማ ተኹሲ ምንባሩ እንተኣመነ'ኳ፡ 'ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ነቲ ኩናታት ኣብ ቑጽጽር ከምዘወዐልዎ' ገሊጹ።
ጉጅለ ጣሊባን ኣብ መግለጺኡ፡ ሓላፍነት ድሕነት ሰላማውያን ነበርቲ እታ ከተማ ናይ መንግስቲ እዩ ዝበለ ኾይኑ፡ መንግስቲ ብገዛ ፍቓዱ ስልጣኑ ብሰላም ከረክብ 'ህጹጽ ዝርርብ ይካየድ' ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ገለ ጸብጻባት፡ ኣብ ገለ ክፋላት እታ ከተማ ተኹሲ ይስማዕ ከምዘሎን፡ ሓይልታት ጣሊባን ባንዴረኦም ሒዞም ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ከምዝተርአዩን ይሕብሩ።
-----
ዕጡቓት ሓይልታት ጣሊባን ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ብምቁጽጻር ናብ ሎሚ ዘጽብሕ ናብታ ርእሰ ከተማ ይጽግዑ ምንባሮም ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሎሚ ዕለተ ሰንበት ጃላላባድ ዝተብሃለት ኣብ ምብራቕ ኣንፈት እትርከብ ሓንቲ ኣገዳሲት ከተማ ብዘይ ውግእ ተቖጻጺሮም እዮም።
እዚ ድማ፡ ማዛር-ኣይ-ሻሪፍ ዝተብሃለት ንመንግስቲ ብርቱዕ ድጋፍ ኣለዋ ተባሂሉ ዝንገረላ ከተማ ምትሓዛ ስዒቡ እዩ ኮይኑ።
ሓይልታት መንግስቲ ብቐሊሉ ምብትታኖም፡ ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ ተባሂሉ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ፈትዩ ኢዱ ክህብ ድዩ ወይካአ ክሳዕ መወዳእታ ክዋጋእ ኣብ ክልተ ሕማቓት ኣማራጺታት ወዲቑ ኣሎ።
እዚ ከም’ዚ እንከሎ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ሰራሕተኛታት ኢምባሲኡ ካብ’ታ ርእሰ ከተማ ከውጽእ ጀሚሩ ኣሎ።
ሎሚ ሰንበት ንጎሆ እቶም ሰራሕተኛታት ናብ ሽድሽተ ዓበይቲ ወተሃደራዊ መጓዓዝያ ነፈርቲ እንትኣትዉ ተራእዮም ኣለዉ።
ነቲ ስርሒት ምውጻእ ሰራሕተኛታት እቲ ኢምባሲ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ኣዋፊሩ ከምዘሎ ይዝረብ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሓይልታቱ ካብ’ታ ሃገር ንምውጻእ ዝወሰነሉ ምኽንያት ሕዚ’ውን ተሪሩ ክዛረብ ይረአ ኣሎ።
ንሱ፡ “ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓንቲ ሃገር ሕድሕዳዊ ኲናት ኣትያ መወዳእታ ንዘይብሉ ግዜ ክትጸንሕ ኣይትኽእልን” ይብል።
ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን፡ ንልዕሊ ዒስራ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ሓይልታትን ካብታ ሃገር ከውጽኡ ምጅማሮም ስዒቡ እዩ ፤ ዕጡቓት ጣሊባን ጉልበት እናረኸቡ መጺኦም።
ኣብ ጃላላባድ እንታይ ኣጓኒፉ ?
ገለ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ፡ ሓይልታት ጣሊባን ዋላ ሓንቲ ጥይት ከይተኮሱ እዮም ነዛ ርእሰ ከተማ ክልል ናነጋርሃር ዝኾነት ጃላላባድ ተቖጻጺሮምዋ።
ሓደ ካብ ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን “ኣብ ከተማ ጃላላባድ ዝኾነ ውግእ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ኣማሓዳሪ ብሰላም ኢዱ ነቶም ሓይልታት ስለዘረከበ እዩ” ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
“ሰለማዊ ሰባት ከይሞቱ ብሕታዊ ፍታሕ፡ ንሓይልታት ጣሊባን ብሰላም ክሓልፉ ምፍቃድ ጥራይ እዩ” ኢሉ።
ታሪቕ ጋዝኒኣል ዝተብሃለ ጋዜጠኛ፡ ናይታ ግዝኣት ኣማሓዳሪ ኢዱ እንትህብ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ትዊተሩ ጠቂዑ ኣሎ።
ጃላላባድ ኣብ ኢድ ሓይልታት ጣሊባን ኣትያ ማለት፡ ሓይልታት ጣሊባን ምስ ፓኪስታን ዘራኽቦም ቀጥታዊ መገዲ ተቖጻጺሮም ማለት እዩ።
ነባሪ እታ ከተማ ኣባስ ኢብራሂምዛዳ፡ ንኤፒ ከምዝበሎ፡ መጀመርታ ሰራዊት እታ ሃገር እዩ ኢዲ ሂቡ ቀጺሉ ድማ፡ ካልኦት ደገፍቲ መንግስቲ ሓይልታትን ሚሊሻታትን ኢዶም ክህቡ ክኢሎም።
እቶም ዕጡቓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሓፈሻ፡ ካብ 34 ምምሕዳራዊ ርእሰ ከተገማታት ነተን 23 ተቖጻጺሮመን ኣለዉ።
ኣብ ካቡል እንታይ ኣጓኒፉ ?
ልዕሊ ርብዒ ምልዮን ዝኾኑ ሰባት ብሰንኪ’ቲ ውግእ ናብ ርአሰ ከተማ ካቡል ተመዛቢሎም ኣለዉ ተባሂሉ።
ኣብ ገለ ብዕጡቓት ጣሊባን ዝተቖጻጸርዎም ከባብታት፡ እቶም ዕጡቓት ገለ ስድራታት ዘይተመርዐወ ኣዋልድ ደቆም ንኣባላት ሓይልታቶም ክምርዐዋ ይሓቱ ኣለዉ ተባሂሉ።
ጓል 35 ሙዥዳ፡ ምስ ካልኦት ክልተ ኣሕዋታ ፓርዋን ካብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝተመዛበለት ኮይና፡ እቶም ዕጡቓት ካብ ዝምርዓውዋ፡ ህይወታ ክተጥፍእ ከም እትመርጽ ተዛሪባ።
“ቀጥርን ለይትን ይበኪ ኣለኹ” ኢላ ኤኤፎፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል።
እቶም ጣሊባን ኣብ ዝተቖጻጸርዎ ከባብታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ እግረን ክሳብ እግረን ዝሽፍን ሙሉእ ነፍሰን ከዕመማ ይግደዳ ኣለዋ።
ከምኡ’ውን እቶም ዕጡቓት፡ ነዚ እስላማዊ ሕግታት ንዝጥሕሱ ሰባት ክገርፉን ክሃርሙን ተራእዮም።
ወዲ 53 ሰይድ ኣክባር ንኒውዮርክ ታይምስ፡ “እግዚኣብሄር ኣይግበሮ ‘ምበይ ኣብ ካቡል ሕማቕ ኲናት ክካየድ ይኽእል እዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ንልዕሊ 40 ዓመት ሰቖቓ ከምዘሕለፉ’ውን ተዛሪቡ። “እዚ ትሪኦ ዘለኻ መገዲ ብዓጽመ ረሃጽና እዩ ተሰሪሑ” ድማ ኢሉ።