እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩናት ኣፍጋኒስታን፡ መጥቃዕቲ ጣሊባን፡ ሆስፒታል ኣዕንዩ፡ ሕሙማትን ሓካይምን ቀቲሉ
ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ብነተጉቲ ዝተመልአት ሓንቲ መኪና፡ ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ጥቓ ሓደ ሆስፒታል ስለዘፈንጀርዋ፡ ብውሕዱ 10 ሰባት ተቐቲሎም።
መብዛሕቲኦም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰባት ሓካይምን ሕሙማትን እዮም ተባሂሉ።
ጣሊባን፡ ዒላምኦም ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ዝርከብ ቤትጽሕፈት ስለላ ምንባሩ ገሊጾም።
ኣብዚ እዋን፡ ምስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ክካየዱ ዝጸንሑ ልዝባት ደው ብምባሉን መረጻ ዝካየደሉ እዋን ይቐርብ ብምህላዉን፡ ጣሊባን ዳርጋ መዓልታዊ እዩ መጥቃዕትታት ዝፍጽም ዘሎ።
ብሰሉስ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሽራፍ ጋኒ፡ ጎስጓስ መረጻ ንምክያድ ዘረባ ከስመዓሉ ወጢኑ ኣብ ዝነበረ ቦታ ነታጒ ተፈንጂሩ፡ 26 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ን 18 ዓመታት ዝቐጸለ ጎንጺ ንምፍታሕ፡ ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ዘተ ሰላም ክተካይድ ጸኒሓ እያ።
እንተኾነ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣብ ካቡል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ወተሃደር ኣመሪካን ካልኦት 11 ሰባትን ድሕሪ ምቕታሎም፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብቲ ምስ ጣሊባን ከካይዶ ዝጸንሐ ዘተ ከምዝሰሓበ ገሊጹ እዩ።