ንጎንደርን ባህርዳርን ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣምሓራ ሰዓት እቶእቶ ተኣዊጁ

ኣብ ትግራይ፡ ንዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ዘሊቑ ምእታዉ ስዒቡ፡ ንባህርዳርን ጎንደርን ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣምሓራ ኣዋጅ ሰዓት እቶእቶ ከምዝተኣወጀ ካብ ኣብያተ ጽሕፈት ጸጥታ እተን ከተማታት ኣፍሊጠን።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት፡ ሓይልታት ትግራይ ንላሊበላን ወልድያን ሓዊሱ ገለ ከተማታት'ቲ ክልል ከምዝተቖጻጸሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ድማ ምስ ወተሃደራት መንግስትን ፍሉይ ሓይልታት ካልኦት ክልላትን ኮይኖም፡ ንሓይልታት ትግራይ ከምዘጥቕዑ ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ሰዓት እቶ እቶ ካብ ዝተኣወጀሉ ካብ ነሓሰ 8 ጀሚሩ [ኣቆጻጻራ ግእዝ]፡ ብዝምልከቶ ኣካል ዘይተፈቐደሉ ኣካል ኣጽዋር ሒዙ ከይርከብ እገዳ ተነቢሩ።

ኣብ ከተማ ባህርዳር ካብ ንጎሆ 12፡00 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ክሳብ ናይ ምሸት ሰዓት 2፡00 ፤ ኣብ ከተማ ጎንደር ድማ ካብ ሰዓት 12፡00 ክሳብ ናይ ምሸት ሰዓት 3፡00 ጥራይ ምንቅስቓስ ከምዝከኣል ኣብያተ ምኽሪ ምምህዳርን ጸጥታን እተን ከተማታት ኣፍሊጠን።

እቲ ዝተነብረ እገዳ፡ ካብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ጀሚሩ ተግባረዊ ከምዝኸውን ድማ ኣብቲ ኣብ ፌስቡክ ገጽ እቶም ኣብያተ ጽሕፈት ዝወጽኣ ሓበሬታ የመልክት።

ሃንደበታዊን ንዝኾነ ሓደጋ፡ ንሓይልታት ጸጥታ ኣመልኪትካ ምንቅስቓስ ከምዝከኣል እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ካብ ዝተፈቐደሎም ተሽከርከርቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝኾነ ተሽከርካሪ ካብቲ ዝተፈቕደ ሰዓት ወጻኢ ከይንቀሳቐስ እገዳ ከምዝተነበሮ፤ ኣብ ልዕሊ ነዚ እገዳ ዝጠሓሰ ድማ ስጉምቲ ከምዝውሰዶ' ተገሊጹ።

ካብኡ ሓሊፉ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት፡ ብሓዘን ኮነ ብደስታ፡ ምትኳስ ተኸልኪሉ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ ካብ 7 ነሓሰ ጀሚሩ ፣ ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ ተባሂሉ።

ኣብ ካልኦት ከተማታት'ውን ተመሳሳሊ ኣዋጅ ዝተኣወጀ ኾይኑ፡ ኣብ ደሴ ካብ ነሓሰ 4 ጀሚሩ፡ ኣብ ኮምቦልቻ ድማ ካብ ነሓሰ 5 ጀሚሩ እቲ ኣዋጅ ሰዓት እቶእቶ እናተተግበረ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብተን ከተማታት ዝኾነ ነባሪ 'ጸጉረ-ልውጥ' ዝበልዎ ሰብ እንተሪኡ ንሓይልታት ጸጥታ ክሕብር ከምዘለዎ'ውን ተሓቢሩ።

በቲ ናብ'ቲ ክልል ዝልሑኽ ዘሎ ኲናት ዝተልዓለ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።