ክሊማዊ ለውጢ፡ ጸብጻብ ኣይፒሲሲ ‘‘ኣብ ደቂ ሰባት ዘንጸላለወ ሓደጋ ዘመላኽት እዩ"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንጥፈታት ደቂ ሰብ ንኩነታት ኣየር ተራእዩ ብዘይፈልጥን ገለ እዋን ድማ ብዘይምለስ መገዲ ይቕይሮ ከም ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘካየዶ ዓቢ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ፡፡
እቲ ኣገዳሲ መጽናዕቲ፡ ማዕበል ዋዒ፣ ድርቂ፣ ውሑጅን ኣዐርዮም እናዓበዩ ይመጹ ከም ዘለዉን ቁልፊ መጠን ዋዒ ካብ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዘይበልጽ ወሰኑ ይሓለፍ ከም ዘሎን ኣጠንቂቑ፡፡
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እቲ መጽናዕቲ "ኣብ ደቂ ሰባት ዘንጸላለወ ሓደጋ ዘመልክት እዩ" ኢሉ፡፡
ተመራመርቲ ግና ቅልጡፍ ስጉምቲ አንተተወሲዱ፡ እቲ ዝፍራሕ ብርሰት ምትራፍ ይከኣል እዩ ይብሉ።
ልቀት ጋዛት ግሪን ሃውስ ምንካይ ነቲ ዝውስኽ ዘሎ መጠን ዋዒ ከመዓራርዮ ከም ዝኽእል እዩ ተስፋ ዝግበር።
ንርኽበት እቲ መጽናዕቲ ዘጋውሐ ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ‘‘ሐዚ እንተሓቢርና፡ ክወርድ ዝኽእል ክሊማዊ ዕንወት ክንቅይሮ ንኽእል ኢና፡፡ እንተኾነ እቲ ሎሚ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ንምድንጓይ ዝኸውን ግዘን ንምኽንያት ዝኸውን ቦታን የለን፡፡ መንግስታትን ሰብ ብጽሒትን COP26 ዕዉት ክኸውን ከምዝጽዕሩ ይተኣማመን እየ’’ ኢሉ፡፡
እቲ ብፓነል መንግስታት ክሊማዊ ለውጢ (ኣይፒሲሲ) ኣብ ዝተባህለ ኣካል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘለዉ ተመራመርቲ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ብመንግስታት ዝድገፍ ኮይኑ፡ ድሕሪ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውⶂፓ] ዕላዊ ዝገበሩዎ ፈላማይ ዓብዪ ዳህሳስ ክሊማ እዩ፡፡
እቲ ጸብጻብ፡ ቅድሚ እቲ ካብ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዝነኣሰ ግዘ ኣብ ግላስጎው ዝካየድ COP26 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዋዕላ ክሊማ እዩ ወጺኡ ዘሎ።
ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ‘‘ወዲሰብ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ከባቢ ኣየር፣ ውቅያኖሳትን መሬትን ክመውቕ ምግባሩ ዘጠራጥር የብሉን’’ ክብል ብሙሉእነት ይሕብር።
ነቲ መጽናዕቲ ካብ ዘካየዱ ተመራመርቲ ሓደ ዝኾነ ፕሮፌሰር ኢድ ሃውኪንስ፡ እቲ ጸብጻብ "ሓቃዊ መግለጺ ዝሓዘ እዩ፤ ካብዚ ንላዕሊ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን፡፡ ደቂ ሰባት እዛ ፕላኔት ክትመውቕ ይገብሩዋ ከም ዘለዉ ግልጽን ዘየካትዕን እዩ" ይብል፡፡
ዋና ጸሓፊ ትካል ሜቴሮሎጂ ዓለም ፐተሪ ታላስ ድማ ‘‘ብቋንቋ ስፖርት ይገለጽ እንተተባሂሉ፡ ሓደ ሰብ እቲ ክሊማ ዘይፍቀድ መድሓኒት (ዶፒንግ) ወሲዱ ኢሉ ክገልጾ ይኽእል እዩ፤ እዚ ማለት ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈለየ ዘይተለመዱ ጫፋት ምርኣይ ጀሚርና ኣለና ማለት እዩ’’ ክብል ይገልጾ፡፡
እቶም ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ መጠን ዋዒ ገጸ መሬት ካብ 1970 ንነጀው ኣብ ነፍሲ ወከፍ 50 ዓመት ናይቶም ዝሓለፉ 2000 ዓመታት ብዘይተርኣየ ቅልጣፈ ወሲኹ እዩ።

ቀንዲ ነጥብታት ጸብጻብ ኣይፒሲሲ
- ዋዒ ገጸ መሬት ዓለም ካብ 2011 ክሳብ 2020፡ ምስቲ ካብ 1850 ክሳብ 1900 ዝነበረ እንትነጻጸር ብ 1.09 ዲግሪ ሴንትግሬድ ዝለዓለ እዩ
- ካብ 1850 ናብዚ እቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት እቶም ዝለዓለ ዋዒ ዝነበሮም እዮም
- ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ዘሎ መጠን ወሰኽ ጸፍሒ ባሕሪ ምስቲ ካብ 1901 ክሳብ 1971 ዝነበረ እንትነጻጸር ብሰለስተ ዕጽፊ ዓብዩ እዩ
- ካብ 1990 ጀሚሩ ቀንዲ ምኽንያት ምምካኽ በረድን ምንካይ በረድ ባሕሪ ኣርክቲክን (90 ምኢታዊት) ጽልዋ ወዲሰብ እዩ
- ካብ 1950ታት ጀሚሩ ዝለዓለ ማዕበል ሙቐት እናወሰኸ ዝሑል ኩነታት እናነከየ ምምጽኡ ርግጽ እዩ

እቲ ጸብጻብ ባሕሪታት ዝገደደ እናወዓዩን ኣሲዳዊ እናኾኑ ከም ዝኸዱን ዝገለጸ ኮይኑ ናይ እምባታትን ዋልታን በረዳት ንዝመጹ ብዙሓት ዓመታት ምምካኽ ከም ዝቕጽሉን ሓቢሩ፡፡
"ኣብ ሓድሕድ ንእሽቶ ዋዒ፡ እቲ ሳዕቤን እናገደደ እዩ ክኸይድ። መብዛሕትኡ ሳዕቤን ድማ ንድሕሪት ኣይምለስን" ይብል ፕሮፌሰር ሃውኪንስ፡፡
ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም ነቲ ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ ዝጸደቐ ስምምዕ ክሊማ ፈሪመን እየን፡፡
እቲ ስምምዕ መጠን ወሰኽ ዋዒ ዓለም ኣብዚ ክፍለ ዘበን ትሕቲ 2 ዲግሪ ሴልሸስ ክኸውን ምግባርን ብቐጻሊ ትሕቲ 1.5 ዲግሪ ሴልሸስ ንምዕጋትን ዝዓለመ እዩ፡፡
ኮይኑ ግና እቲ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ መጠን ልቀት ካርበን ኣዐርዩ እንድሕር ዘይጎዲሉ፡ ክልቲኦም ዕላማታት ክዕወቱ ኣይኽእሉን።
እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ 2040 ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት መጠን ዋዒ 1.5 ዲግሪ ሴልሸስ ከም ዝበጽሕ እዮም ዝኣምኑ።
መጠን ልቀት እንድሕር ዘይነክዩ ኣብ ቀረባ ዓመታት እውን ክበጽሕ ይኽእል እዩ።
እንታይ ክግበር ይከኣል?
እቲ ጸብጻብ ምውሳኽ ዋዒ ዘውርዶ ሳዕቤናት ብግልጺ ዘቐመጠ ኮይኑ፡ ኣብ 2030 መጠን ልቀት ብፍርቂ ምቕናስ እንተተኻኢሉን ኣብ 50ታት ናብ ባዶ እንተወሪዱን፡ ወሰኽ ዋዒ ደው ምባል ኢሉ እውን ምቕናስ ከም ዝከኣል ተመራመርቲ ተስፋ ይገብሩ ይብል።
እቲ መጠን ናብ ባዶ ንምውራድ ድማ ካብ ጋዝ ነጻ ዝኾነ ቴክሎጂ ብምጥቃም ግሪንሃውስ ጋዛት ምቕናስን ዝተረፈ ድማ ቴክኖሎጂ በምጥቃምን ኣትክልቲ ብምትካልን ናብ ከባቢ ኣየር ከይኸይድ ምግባር ይጠልብ፡፡
ኣብ ቀጻሊ ዘጋጥሙ ግድላት
- ኣብ 2040 ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ልቀት መጠን ዋዒ ዓለም 1.5 ዲግሪ ሴልሸስ ክበጽሕ እዩ
- ቅድሚ 2050 ኣርክቲክ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ብውሑድ ሓደ ጊዜ ኣብ መስከረም ካብ በረድ ነጻ ክኸውን እዩ
- ዋላ ኣብ 1.5 ዲግሪ፡ ‘‘ኣብ ታሪካዊ መዝገብ ትጽቢት ዘይግበረሎም’’ጫፍ ዝወጽኡ ኩነታት ከጋጥሙ እዮም
- ኣብ ብዙሓት ዞባታት ባርዕ ሓዊ ዘልዕል ኩነታት ኣየር ክውስኽ እዩ





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







