እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኦሎምፒክ ቶክዮ፡ ቱኒዝያዊ ጀንዶቢ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ወናኒ መዳልያ ጸወታታት ቶክዮ ኮይኑ
ንኢትዮጵያዊ መወዳድርቱ ኣብ ታኤክዎንዶ ዝሰዓረ ቱንዝያዊ ቀዳማይ ወናኒ መዳልያ ጸወታታት ኦሎምፒክ ቶክዮ ኮይኑ።
ኣብ ውድድር ታኤክዎንዶ 58 ኪግ ዝሳተፍ ዘሎ ቱኒዝያዊ መሓመድ ኸሊል ጀንዶቢ ብቐዳም ብሩር መዳልያ ብምጭባጡ፤ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ወናኒ መዳልያ ጸወታታት ኦሎምፒክ 2020 ኮይኑ።
ጀንዶቢ ኣብ ምድቡ ወርቂ መዳልያ ምስ ዝመንዝዐ ኢጣልያዊ ቪቶ ደል’ኣኲላ ብዝገበሮ ግጥም ብሩር መዳልያ ረኺቡ።
እቲ ውድድር ክሳዕ ናይ መወዳእታ 15 ካልኢታት 10 ብ 10 ነጥቢ ዝቐጸለ ኮይኑ ኣብ ውዱእ ግዜ ግና ቪቶ ደል’ኣኲላ ወሳኒ ነጥቢ ከምዝግብ ክኢሉ።
ወዲ 19 ዓመት ጀንዶቢ፡ ኣብ ርብዒ ፍጻመ ንዝገጠሞ ኢትዮጵያዊ ሰለሞን ቱፋ ብናይ 23 ነጥቢ ፍልልይ እዩ ስዒርዎ።
ጀንዶቢ ክልተ ብሩር ንዘለዎ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጎያዪ መሓመድ ጋሙዲ ስዒቡ ብሩር መዳልያ ዝረኸበ እንኮ ቱኒዝያዊ ኮይኑ ኣሎ።
ጋሙዲ ነቲ ፈላሚ መዳልያ ኣብ 1964ኣብ ተመሳሳሊ ኣብ ቶክዮ እዩ ረኺብዎ።
ቱኒዝያ ብሓፈሻ ወናኒት 14 መዳልያታት እያ። ኣብ ሪዮ 2016 ሰለስተ መዳልያታት ዝወሰደት ቱኒዝያ ኣብዚ ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ተወሳኺ ዓወታት ክተመዝግብ ትፍትን ኣላ።