ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ብዕጽው ክካየድ ከምዝኽእል ተገሊጹ

ተናዊሑ ዝጸንሐ ውድድር ቶክዮ ሎሚ ዓመት ኣብ ጃፓን እንተዳኣ ዝካየድ ኮይኑ ብዘይተመልከትቲ ብዕጽው ክካየድ ከምዝኽእል ሓላፊ ኣትሌቲክስ ሎርድ ኮኢ ገሊጹ።

ኣብቲ መደብ፡ ውድድራት ኦሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን ክስረዙ ምዃኖም ታይምስ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኣትሌቲክስ ግና ከምዝካየዱ እምነት ኣለዎ።

ድሙቕን ብያዕያዕታ ደገፍትን ዝተደገፈ ውድድር ክህልዎም ከምዝደልዩ ዝገለጸ ኮኢ፡ "ኮይኑ ግና ግድን ኣብ ዕጹው ስታድዮማት ክካየድ እንተዳኣ ሃልይዎ ግን ኩሉ ሰብ ዝቕበሎ ይመስለኒ" ኢሉ።

ኣባል ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክን ሓላፊ ኣዳላዊት ኮሚቴ ለንደን 2012 ኮኢ፡ ቶክዮ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ኦሎምፒክ ክተዳሉ ተባሂሉ ኣብ 2024 ኣብ ፓሪስ ዝካየድን 2028 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝካየዱን ኦሎምፒካት ምድፋእ ልክዕ መፍትሂ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ኣብ 2020 ክካየድ ዝነበሮ ውድድር ቶክዮ፡ እቶም ኣዳለውቲ ብምኽንያት ኮሮረናቫይረስ ናብ 2021 ክሰግር ገይሮምዎ።

ኮይኑ ግና ኣብታ ህጹጽ ግዘ ኣዊጃ ዘላ ጃፓን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮረናቫይረስ ይውስኽ ብምህላዉ ክካየድ ምዃኑ ኣጠራጣሪ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስቲ እቲ ውድድር ክስረዝ ምዃኑ ከምዝገለጸ ጋዜጣ ታይምስ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣዳለውቲ ቶክዮ 2020 ግና ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ዮሺሂድ ሱጋ፡ ውድድራት ኦሎምፒክስ ፓራኦሎምፒክን ክካየድ ጽኑዕ ድልየት ከምዘለዎን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት እውን ትኹረት ሂቦም ይሰርሑ ምህላዎምን ሓቢሮም።

እቲ ውድድራት ተሰሪዙ ዝብል ሓቂ ከምዘይኮነ ድማ ዓለም ለኻዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ገሊጹ።

ኮሚቴ ፓራኦሎምፒክ ብተመሳሳሊ እቲ ውድድር ክካየድ ምዃኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ውድድር ኦሎምፒክ 23 ሓምለ ዝጅመር ኮይኑ፡ ፓራኦሎምፒክ ድማ 24 ነሓሰ ክጅመር እዩ።

ዋና ፈጻሚ ቶክዮ 2020 ቶሺሮ ሙቶ፡ ዓለማዊ ምብጻሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ነቲ ውድድር ንምስላጥ ወሳኒ ረቛሒ ከምዝኾነ ይገልጽ።

"ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ክታበታት ብሰፊሑ እንተተባጺሑ፡ ኣብቶም ውድድራት ኣወንታዊ ተራ ከምዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይመስለንን" ኢሉ።

ኮይኑ ግና፡ ውሳነኦም ኣብ ክታበት ጥራይ ከምዘይምርኮስ ተዛሪቡ።