እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“ኣብ 2021 ዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክ ስታድዮማት ብተዓዘብቲ ከምዝመልእ ርግጸኛ እየ”ቶማስ ባች
ላዕለዋይ ሓላፊ ዓለምልኻዊ ኮሜተ ኦሎምፒክ ቶማስ ባች ኣብቲ ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ኦሎምፒክ ተዓዘብቲ ክህልዉ ከምዝኾኑ ‘ኣዝየ ርግጸኛ’የ’ ኢሉ።
ቶማስ ባች፡ ዓለምለኻዊ ኮሜተ ኦሎምፒክ ተዓዘብቲ ቅድሚ ናብ ሜዳ ምእታዎም መርመራ ኮሮናቫይረስ ንኽገብሩ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ኣጽዒቑ ይሰርሕ ምህላዉ እዩ ዝሕብር።
ቶማስ ባች እቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ጃፓን ዝካየድ ውድድራት ኦሎምፒክ ብኸመይ ኣገባብ ክተሓዝ ኣለዎ ንምዝታይ ኣብ ቻፓን እዩ ዝርከብ።
ውድድራት ኦሎምፒክ ከምቲ ንቡር ውጥኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ክጅምር እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫረስ ናብ ዘመጽእ ዓመት ምስተሰጋገረ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ብወግዒ መጋረጅኡ ክኸፍት’ዩ ውጥን ተታሓሒዝሉ ዘሎ።
ኣብዚ ኣብ ኣርባዕተ ዓመታት ሓንሳብ ዝካየድ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተናወሐ ውድድር ኦሎምፒክ፡ ካብ ኣስታት 200 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 11,000 ስፖርተኛታት ክሳተፍዎ እዮም።
ቶማስ ባች ምስ ቀዳማይ መኒስተር ጃፓን ዮሺሂደ ሱጋ ድሕሪ ምርኻቡ ምስ ኤኤፍፒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ኩሉ ዘለና ኣዋሃሂድና እዚ ወድድር ብውሑስ ኣገባብ ንኽካየድ እቲ ክግበር ዘለዎ ኩሉ ዓይነት ነገር ክንገብር ኢና” ኢሉ።
“እዚ ኣብ ግምት ኣእትየ እየ ኣብዚ ኣብ ዝምጽእ ዓመት ዝካየድ ውድድራት ኦሎምፒክ ብርእሰ ተኣማንነት ስታድዮማትና ብተዓዘብቲ ክመልኡ እዮም ዝብል ዘለኹ”
ቶማስ ባች ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ጃፓን ዝተኻየድ ኣሽሓት ተዓዘብቲ ዝነበርዎ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ 22 ስፖርተኛታት ዝተሳተፍዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር’ውን ተዓዚቡ ነይሩ’ዩ።
ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተኻየደ ውድድር እቶም ኣትሌታት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምጅማር እቲ ውድድር ናብ ጃፓን ብምእታው ኣብ ፍሉያት ሆቴል ከምዝውሸቡ እዮም ተገይሮም።
ናብ ውድድር ክኣትዉ እንከለዉ’ውን መርመራ ይግበሮሎም ነይሩ።
ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክን መንግስቲ ጃፓንን እቲ ውድድር ካብ 2021 ከይናዋሕ ኣትሪሮም እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ውድድራት ኦሎምፒክ ቶክዮ ቶሺሮን ሙቶ ካብ ፈለማ እቲ ውድድር ብዘይ ተዓዘብቲ ንኸይካየድ እዩ ክካታዕ ጸኒሑ።
እቲ ክቀርብ ዝጸንሐ ሕርያታት ድማ ውሱናት ተዓዘብቲ ክህልዉን ምስ ስፖርተኛታት ናብቲ ውድድር ዝምጽኡ ልኡኻትን ኣሰነይትን ቁጽሮም ክውሕድን ዝብል እዩ ነይሩ።
ቶማስ ባችን ሚኒሰትር ኦሎምካዊ ውድድራት ጃፓን ስይኮ ሓሺሞቶን እቲ ውድድር ኮቪድ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣብ 2021 ክካየድ ከምዘለዎ’ዮም ጸቂጦም ዝዛረቡ።
ኣብ ዝመጽእ ሓደ ዓመት ውጽኢታዊ ዝኾነ ክታበት ክርከብ እዩ ዝብል ተስፋ ኣዝዩ ውሑድ እዩ፡ እንተኾነ ፒፍዘርን ባዩኤንተክን ዘማዕበልዎ ክታብት 90 ሚእታዊት ውጽኢታውነት ኣርእዩ ስለዝተብሃለ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ውጥን ተታሐዝሉ ዘሎ ውድድር ኦሎምፒክ ተስፋ ዘይህብ ኣይኮነን።