እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ሶማልያ ፈላማይ ደብዳብ ነፈርቲ ፈፂሙ
ኣሜሪካ፡ ኣብ ሰሜን ሶማልያ ጋልካዮ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣልሸባብ ደብዳብ ኣየር ከምዝፈፀመት ኣፍሊጣ።
እቲ ትማሊ ሰሉስ ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር፡ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ናብ መንበረ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ንነዘ ፈላማይ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ወሃቢት ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ ሲንዲ ኪንግ፡ ኣሜሪካ፡ ብኣልሸባብ መጥቃዕቲ ንዝበፅሖ ሰራዊት ሶማልያ ክትድግፍ ምፅንሓ ተዛሪባ።
በዚ መጥቃዕቲ ኣየር ዝበፅሐ መጠን ጉድኣት ይዳሎ እኳ እንተሃለወ፡ ኣፈናዊ ፀብፃባት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዘይበፅሐ እታ ኣፈኛ ሓቢራ።
ፕረዝደንት ጆ ባይደን መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ገዲቡ እዩ።
ፕረዝደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ግዘ ስልጣኑ ኣብ ሶማልያ መጥቃዕትታት ኣየር ክዛይድ ከምዝገበረ ይፍለጥ።
እንተኾነ ካብ መንበረ ስልጣኑ ክለቅቕ ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን፡ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሮም ዝነበሩ ልዕሊ 700 ፍሉይ ሓይሊ ንክወፅኡ ኣዚዙ።
ንደቡባውን ማእኸላይን ሶማልያ ተቖፃፂሩ ዝርከብ ኣል ሸባብ፡ ብሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ዝድገፍ መንግስቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ይፍፅም።