ልዕሊ 840 ሚልዮን ብር ወጻኢ ዝተገበረሉ መረጻ ኢትዮጵያ ብኣሃዝ እንትግለጽ

ቅድሚ መዓልታት ውጽኢቱ ወግዓዊ ዝተገበረ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጳያ ን436 ናይ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ከምኡ’ውን ንኽልተ ምምሕዳር ከተማታት [ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን] ን ንሸውዓተ ክልላዊ ባይቶታትን ንዝተዳለዉ መናብር ንምውሳድ ንሕንሕ ዝተገበረሉ ነይሩ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣብ ሰለስተ ናቑጣታት መረጻ ዝተወሃቡ ድምጽታት ዳግም ክቑጸሩ፤ ካልኦት 10 ክልላት መረጻ ከኣ ዳግማይ መረጻ ክካየድ ምውሳኑ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 10 ሓምለ 2021 ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።

ኣብ ካልኦት ክልላት መረጻ ዝተወሃቡ ድምጽታት ግን ኣጽዲቑ’ሎ።

ቁጽርታት ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ መረጻ እንታይ ይብሉ?

ኣብ ሻድሻይ ሃገርለኸ መረጻ ድምጺ ንምሃብ ዝተመዝገቡ ዜጋታት ልዕሊ 36 ሚልዮንን 200 ከምዝኾኑ ክግለጽ ከሎ ኣብ መረጻ መዓልቲ ድምጺ ዝሃቡ ግን ኣስታት 33 ሽሕን 70ን ምንባሮም መረዳእታ ቦርድ መረጻ የመልክት።

ብመንጸር ኣብ ክልላት ካርድ መረጻ ወሲዶም ድምጺ ዝሃቡ ክረኣይ ከሎ ዝለዓለ ድምጺ ወሃቢ ዝተመዝገበሉ ክልል ሲዳማ ነይሩ። ኣብቲ ክልል ዝተመዝገቡ ኩሎም ኣድሚጾም’ዮም።

ኣብ ቤኒሻንጉል ካርድ መረጻ ካብ ሞንጎ ዝወሰዱ 162 ሽሕን 600ን ሰባት እቶም 89 ሽሕን 34 [55 ሚኢታዊት] ጥራይ ድምጺ ሂቦም።

ምስ ካልኦት ክልላት ክነጻጸር ከሎ እቲ ዝተሓተ ቁጽሪ መረጽቲ ዝተመዝገበሉ’ዩ።

ቦርድ መረጻ ንኣድመጽቲ ኣብ 50 ሽሕ ናቑጣታት መረጻ ክምዝግብ’ኳ ትልሚ እንተነበሮ፤ እቲ ምዝገባ ግን ኣብ 42 ሽሕን 580 ናቑጣታት’ዩ ተኻይዱ።

ኣብቲ ብ14 ሰነ 2013 ብኣቆጻጽራ ግእዝ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር መረጻ ኣብ 70 ክልላት መረጻ [ንትግራይ'ውን ከይሓወሰ] ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ድምጺ ከምዘይተወሃበ ይግለጽ።

ኣብ መዓልቲ መረጻን ብድሕሪኡ ኣብ ዘለዉ መዓልታትን ኣብ 165 ክልላት መረጻ ካብ 30 ውድባት ፖለቲካ ጥርዓናት ቀሪቦም።

እቲ ቦርድ ነቶም ጥርዓናት ብምርኣይ “ምምሕዳራዊ ስጉምቲ፣ ምስራዝ ውጽኢትን ዳግማይ መረጻ ክካየድን” ዝብሉ ውሳነታት ከምዘሕለፈ ምኽትል ኣካቢ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣይተ ውብሸት ኣየለ ገሊጹ።

ንሱ ከምዝበሎ፤ “ውጽኢት ክቕይሩ ንዝኽእሉ ግድፈታት ኣሰራርሓ ብምምርማር” ኣብ ሰለስተ ክልላት መረጻ ዳግማይ ቆጸራ ክካየድ ወሲኑ’ሎ።

ካብ ሞንጎኦም ንባይቶ ፌደራል ዝተገበሩ ውድድራት ኮይኖም፡ “ተዓዘብትን ወኪላትን ኣብ ናቑጣ መረጻ ከይርከቡ ምኽልካል፣ መስርሕ መረጻ ኣብ ትሕቲ ጽዕንቶ ከባቢያዊ ምምሕዳራት ምውዳቑ፣ ዝለዓለ ብዝሒ ዘለዎ መረጺ ከየድምጽ ብምኽልካሉን” ኣብ ኣምሓራ፣ ደቡብ፣ ዓፋርን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ክልላት መረጻ እቲ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ደጊሙ ከምዝካየድ ይግለጽ።

ዳግማይ መረጻ ካብ ዝካየደሎም ክልላት መረጻ ብተወሳኺ ኣብ 1 ጳጉሜን 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ 64 ክልላት መረጻ ልዕሊ 5 ሚልዮን ድምጺ ወሃብቲ ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።

ኣብቲ መረጻ 9 ሽሕን 500 ሕጹያት ዘለዉ ኮይኖም ካብዚኦም እቶም 148 ብውልቀ ከምዝተወዳደሩ ተፈሊጡ’ሎ። ኣስታት 1,900 ደቂኣንስትዮ ከኣ ይርከብኦም።

ንናውቲ መረጻ 845 ሚልዮን ብር ወጻኢ ከምዝተገበረ ዝገለጹ ኣይተ ውብሸት ድምጺ ዝተወሃበሉ ወረቐት ኣብ ክልተ ሃገራት ንምሕታም ድማ 9 ሚልዮን [ኣስታት 395 ሚልዮን ብር] ምውጽኡ ኣረዲኦም።

ኣብ መዓልቲ መረጻ 152 ሽሕን 700 ኣፈጸምቲ ተዋፊሮም፤ ግንዛበ መረጽቲ ንምዕባይ ትምህርቲ ዝህቡ 169 ሲቪል ማሕበራት ከምኡ’ውን 46 ማሕበራት መረጻ ንኽዕዘቡ ፍቓድ ረኺቦም።

በዚ መሰረት ከኣ 44 ሽሕን 560 ተዓዘብቲ ተዋፊሮም።

ነቲ መረጻ ዝምልከቱ ጸብጻባት ንምስራሕ ቢቢሲ ዝርከቦም 70 ማዕኸናት ዜና 1,971 ጋዜጠኛታተን ክልእኻ ከለዋ እቶም 160 ጋዜጠኛታት ንዓለምለኸ ሚድያታት ዝወከሉ ነይሮም።

ውጽኢት መረጻ

ኣብቲ ሃገራዊ መረጻ ውድብ ብልጽግና መንግስቲ ንምምስራት ካብ ዘኽእሎ 274 መንበር ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣዝዩ ዝለዓለ መንበር ብምርካብ ክዕወት በቒዑ’ሎ።

በዚ መሰረት መረጻ ኣብ ዝተኻየደሎም ክልላት እታ ሃገር ዝለዓለ ውክልና ዝረኸበ ብልጽግና 410 መናብር ክረክብ ኪኢሉ።

ኣብቲ መረጻ ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ሕጹያት ብምቕራብ ዝተወዳደሩ ኮይኖም ብዘይካ ሰለስተ ሰልፍታት ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ፌደራል መንበር ዝረኸበ የለን።

ሰለስቲኦም ከኣ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ [ኣብን] ሓሙሽተ፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] ኣርባዕተ ከምኡ’ውን ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢ ጌዲኦ ከኣ ክልተ ድምጺ ረኺቦም።

ብዘይካ’ዚ ብውልቆም ካብ ሞንጎ ዝተወዳደሩ 125 ሰባት እቲ ሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰለስተ ድማ ንክልላዊ ባይቶ ኦሮሚያ ተመሪጾም።