ጀነራል ጻድቃን ኲናት ትግራይ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዘድልዮ ተዛሪቡ

ጄኔራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ

ንሓይልታት ትግራይ ይመርሕ ከምዘሎ ዝግመት ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ድርድር ዝተመስረተ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንምግባር ድልዋት ከምዝኾኑ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

“እቲ ጸገም ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረክብ ድልየት ኣለና። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነዚ ክግንዘብ ኢና ንደልይ። ኣማራጺ እንተስኢንና ግን ነቲ ጸገም ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ክንፈትሖ ኢና” ክብል ኣብቲ ምስ ሮይተርስ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ኣፍሊጡ።

እቲ ጀነራል ወግዓዊ ካብ ዘይተገበረ ቦታ ኮይኑ ብሳተላይት ስልኪ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ንኲናት ትግራይ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዘድልይ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊቱ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዘውጽአ ዝገልጽ መንግስቲ ፌደራል በይነኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝኣወጀ ይዝከር።

ህወሓት ብወገኑ እቲ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ክፍጸም እንተኾይኑ ብቐዳምነት ክግበሩ ኣለዎም ዝበሎም ሸውዓተ ቅድመ ኩነት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ’ሎ።

ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሩሉ ቦትኦም ክምለሱ ዝብል ሓደ ካብ ሞንጎ እቶም ቅድመ ኩነት ኮይኑ ብወገን መንግስቲ ግን ዛጊድ ነዚ ዝተወሃበ መልሲ የለን።

ዓለምለኸ ትካላትን ሃገራትን መንግስቲ ፌደራል ንዝወሰኖ ውሳነ ተኹሲ ደው ምባል ብኣወንታ ከምዝርእይዎ ብምግላጽ እቲ ውሳነ መዛዘሚ እቲ ጎንጺ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ሕቶ ካብ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዝቐረበሉን ነቲ ሓሳብ ብምቕባል በይነኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝኣወጀን ይገልጽ።

ነዚ ስዒቡ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ትግራይ ዝወጽአ ኮይኑ እቲ ውሳነ ፖለቲካዊ ከምዝኾነ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዛረቡ።

ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝወሃብ መግለጺ ግን እቲ ውሳነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ካብ ዝገጠሞ ስዕረት ከምዝነቅል ይሕብር።

ክረምቲ ብምእታዉ ሓረስቶት ትግራይ ናብ ሕርሻ ንኽወፍሩ፤ ሰብኣዊ ረድኤት ንኽባጻሕ፤ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ካልኦት ሃገራዊ ዋኒናት ንኸድህብ ዝብሉን ካልኦትን ምኽንያታት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይቐርቡ።

ነዚ ዘይቕበሉ ሓይልታት ትግራይ ግን ዓወት ብምርካብ ንመቐለን ካልኦት ከባብታትን ትግራይ ኣብ ቁጽጽሮም ከምዘእተዉ ይገልጹ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብወገኑ ክልቲኦም ወገናት ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይገደብ ንኽቀርብ ምቹእ ኩነታት ክፍጠር ብምግባር ሓላፍነቶም ክፍጽሙ የተሓሳስብ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብቲ ክልል ተፈጺሞም ዝባሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረዩ ዝሓትት ህወሓት፤ እቶም ተቛሪጾም ዘለዉ ኣገልግሎታት መብራህቲ፣ ቴሌኮም፣ በረራ ኣየርን ካልኦትን ናብ ንቡር ክምለሱ ይሓትት።

ጀነራል ጻድቃን ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ከምዝተሰዓሩ ዘይኣምን እንተኾይኑ እቲ ኲናት ከምዝቕጽል ተዛሪቡ።

መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኢሉ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣትው ይገብር ከምዘሎ’ውን ገሊጹ።

እቲ ጀነራል፡ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከምዝኣተወት ካብ ዝግለጽ ንደሓር ናብ ትግራይ ረድኤት ክኣትው ከምዘይከኣለ’ኳ እንተሓበረ መንግስቲ ፌደራል ግን ንምንቅስቓስ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘየተኣጓጎለ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣስታት 8,000 ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብሓይልታት ትግራይ ከምዝተማረኹ ጀነራል ጻድቃን ክዛረብ ከሎ፤ ወሃቢ ቓል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ግን “እቲ ቑጽሪ ዝተጋነነ” ከምዝኾነ ይገልጽ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 6ይ ዓመት ዘመን ስራሕ 4ይ ፍሉይ ኣኼባ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ “ኣድላዪ እንተኾይኑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ናብ ትግራይ ክወፍሩ ምግባር ከምዝከኣል” ብምግላጽ እንተኾነ ሰላማዊ ፍታሕ ከምዝመርጹ ተዛሪቡ።

ንሱ ኣብቲ ናይ ትማሊ ውዕሎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ “ኣብ ጎንጺ ክንጸንሕ ንኽእል ኢና፤ ውጽኢቱ ግን ምቕታል’ዩ። ክልቲኡ ወገን ዶላት ከባኽን’ዩ። በዚ መገዲ ከኣ ክትዕወት ኣይትኽእል” ኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, "ወደይ ብኽልተ ጥይት ኣብ ጎደና ቀቲሎሞ"