ኤርትራ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክታበት ኮሮናቫይረስ ትረክብ'ዶ ትኸውን?

ክታበታት ኮሮናቫይረስ ምስ ካልእ ክታበታት ብምንጽጻር ኣብ ሓጺር ግዜ ማዕቢሉ ናብ ጥቕሚ ዝወዓለ ክታበት ምዃኑ ክኢላታት ይገለጹ።

ዝተፈላለዩ ክታበታት ኮቪድ 19 ናብ ህዝቢ ምሃብ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ ብደረጃ ዓለም ኣብ 190 ሃገራት ኣስታት 3 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበታት ተዋሂቡ ኣሎ።

እንተኾነ ግና ዝርግሐ እቲ ክታበታት ፖለቲካዊ መልክዕ ሒዙ፡ ነቲ ክታበታት ዘፍርያ ሃብታማት ሃገራት ልዕሊ ዓቐን ነቲ ክታበት ክሕዛ እንከለዋ ድኻታት ሃገራት ብቐረብ ይሳቐያ ኣለዋ።

እዚ ድማ ገለ ካብቲ ንዝርግሐ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ዝለዓሉ ጥርዓናት እዮም።

ኤርትራ እትርከበን ሒደት ሃገራት ድማ ነቲ ብኮቫክስ ዝግበር ምዝርጋሕ እቲ ክታበት ቅሩብነተን ብንጹር ኣየቐመጣን ብዝብል ይጥቀሳ።

ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ክታበታት ዘይበጽሐን ሰለስተ ሃገራት ኤርትራ ብሩንድን ታንዛንያ ክኾና እንከለዋ፡ እታ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃና ብምግላጽ ነቲ ክታበት ክትሕሰም ዝጸንሐት ታንዛንያ ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ነቲ ለበዳ ዘለዋ ኣተሓሕዛ ከም ዝቐየረት እዩ ዝግለጽ።

ታንዛንያ ክታበት ክትወሃብ ብ15 ሰነ ናብ ኮቫከስ ሕቶ ድሕሪ ምቕራባ እቲ ክታበት ኣብ ዝቕጽል ሒደት ሰሙናት ክበጽሓ ምዃኑ፡ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዞባዊ ቤትጽሕፈት ኣፍሪቃ፡ ኣወሃሃዲት ክታበታት ዶክተር መሰረት ሺበሺ ንቢቢሲ ሓቢራ።

"ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ተበግሶ ኮቫክስ ብዘይ ከፍሊት ክታበት ኮቪድ-19 ክረኽባ ዝኽእላ ኣብ ትሑትን ማእከላይ ትሑትን ቁጠባዊ ኩነታት ዝስርዓ 47 ሃገራት ኣለዋ። ካብዘን 47 ሃገራት እተን 45 ጥርዓነን ናብ ኮቫክስ ኣቕሪበን እየን። ታንዛንያ እታ ድሒራ ዝሓተት ኮይና ኣብ ዝቕጽል ሒደት ሰሙናት ክበጽሓ እዩ። ኤርትራን ብሩንድን ክሳዕ 3 ሓምለ ነቲ ክታበት ካብ ኮቫክስ ንምርካብ ወይ ሕቶ ኣየቕረባን ወይ ነቲ ዘድልይ ቅጥዕታት ኣየማልኣን ኣለዋ" ኢላ።

ኤርትራ ክታበት ኮቪድ-19 ብመገዲ እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝካየድ ተበግሶ ኮቫክስ ንምርካብ ዘይደለየትሉ ምኽንያት ኣይፍለጥን። ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ዝገበሮ ፈተነ ክዕወት ኣይከኣለን።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣልበርታ ከምኡ'ውን ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ካናዳ [ሀልዝ ካናዳ] ኣብ ምርምርን ምቁጽጻርን ክታበታትን መድሃኒትን ንውሕ ንዝበለ ግዜ ኣብ ምርምርን ምስትምሃርን ክሰርሕ ዝጸንሐ ዶክተር ዮውሃንስ ሃይለ፡ መንግስቲ ኤርትራ ክታበት ኮቪድ-19 ናብታ ሃገር ክኣቱ ከፍቅድ ይጉስጉስ። ንሱ ኣብ ኤርትራ "ፖለቲካዊ ድልየት እዩ ቦኺሩ ዘሎ" ይብል።

"ኤርትራ ነቲ ክታበት ድልየት ከም ዘየርኣየት ምስ ተረዳእና [ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ገለ ኤርትራውያን ሓካይምን ሰብ ሞያ ጥዕናን] ጸቕጢ ክንገብር ክንፍትን ጸኒሕና ብድሕሪኡ ሚኒስተር ጥዕና ወ/ሮ ኣምና ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ 'ክነጽንዖ ኢና ኢላ' እንተኾነ ግና ነቲ ብደረጃ ዓለም ተጸኒዑ ፍቓድ ንዝተዋህቦ ክታበት ክነጽንዖ ኢና ምባል ዕባራ ምኽንያት እዩ።''

ኤርትራ፡ ለበዳ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ኣብ ዝነበረሉ "ከም ጓንቲ፡ ማስክ ዝኣመሰሉ ብሓደ ገባር ሰናይ ቻይናዊ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝተለገሰ ዝተፈላለየ መከላኸሊ ንዋት 'ናይ ቻይና መጉሓፊ ኣይኮናን' ብምባል ተሓሲማ እያ" ብምባል ሰብ መዚ ኤርትራ ብንጹር ምኽንያቶም ከም ዘየገልጹ ዶክተር ዮውሃንስ የብርህ።

ህልው ኩነታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ

ኣብ ኤርትራ ሎሚ 61 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ክረጋገጽ እንከሎ ጠቕላላ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ብኮቪድ ዝተለኽፉ ሰባት 6,188 ምብጽሑ፡ ካብዚኦም እቶም 5,808 ሓውዮም ከም ዝተፋነውን 25 ህይወቶም ከም ዝሓለፈን ብሰኑይ ዝተዘርግሐ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይነግር።

ዶክተር ዮውሃንስ ግና ኣብዚ ኣሃዛት ዕቃበታት ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉን ዝሞቱን ሰባት ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረብ።

ንሱ ወሲኹ ብዙሓት ኣብ ደገ ዝነብሩ ሰባት ካብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ኣባላት ስድራቤቶም ዝረኽብዎ ሓበሬታ ነዚ ጥርጣረታት ዝድርዕ ምዃኑ ይገልጽ።

ምንጭታት ቢቢሲ ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዓበይቲ ሰባት ብሰንኪ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ይሞቱ ከምዘለው ይገልጹ።

ዛጊት ሃገራት ኣፍሪቃ ብኽልተኣዊ ምርድዳእ፡ 38 ሚልዯን ብልቃጥ፡ ብመገዲ ኮቫክስ 25 ሚልዯን ብልቃጥ ብመገዲ ኣቫት ድማ 1 ሚልዯን ብልቃጣት ተረኪበን ኣለዋ።

ክታበታት ኮቪድ-19 ኣብ ዓለም ርትዓዊ ብዝኾነ መገዲ ክዝርጋሕ ዝቖመ ተበግሶ ኮቫክስ፡ ብምትሕብባር ሴፒ፡ ጋቪ፡ ቫክሲን ኣላያንስን ውድብ ጥዕና ዓለምን ይካየድ።

ሸፈነ እቲ ክታበት ኣብ ድኻታት ሃገራት ኣዝዩ ትሑት እኳ እንተሎ፡ ብፍላይ ኣብተን ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጽቡቕ ሰጕሙ ምህላው ጸብጻባት የርእዩ። እዚ ነቲ ብምኽንያት ምዕጻው ተሃስዩ ዝጸንሐ ቁጠባ እተን ሃገራት ኣብ ምብርባር ዓብዪ ተራ ከም ዝህልዎ፡ ዶክተር ዮውሃንስ ኣብሪሁ።