ኮቪድ-19፡ ሃገራት ኣውሮጳ ሓድሽ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ የንጸላልወን

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ዝግ ኢሉ ዝነበረ መጠን መልከፍቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብ 10 ሚኢታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየ ብምሕባር ኣብተን ሃገራት ሓድሽን ሳልሳይን ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክጅምር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ዞባዊ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ሃንስ ክሉግ፡ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ምስፍሕፍሑ፣ ማሕበራዊ ምትእክኻባት ብምዝያዱን ክታበት ከምቲ ዝግበኦ ፍጥነት ናብ ኩሉ ይባጻሕ ስለ ዘየሎን እቲ መልከፍቲ ወሰኽ ከም ዘርኣየ እዩ ዝሕብር።

እቲ ካልእ ምኽንያት ዝበሎ ኸኣ እቲ ዓሚ ክካየድ ዝነበሮ'ሞ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ሎሚ ዓመት ዝተሰጋገረ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ ዩሮ- 2020 እዩ።

ኣማኢት ደገፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ለንደንን ሰንት ፒተርስበርግን ኵዕሶ ርእዮም ምስ ተመለሱ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከም ዝጸንሑ ይሕበር።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ላዕለወይቲ ዳይሬክተር ህጹጽ ጉዳያት ካትሪን ስሞልዉድ፤ እተን ጸወታታት ዘአንግዳ ዘለዋ ከተማታት ኣብ ምንቅስቃስ ደገፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት እኹል ምቁጽጻርን ምክትታልን ክገብራ ጸዊዓ።

ካትሪን ስሞልዉድ "እኹል ምክትታት የድሊ ኣሎ። ጸወታ መስ ተወደአ ናበይ ይኸዱ? ናብ ባራትን ናብ ክለባትን ብምኻድ ድዮም ዝዘናግዑ?" ብምባል ሕቶ ተቐምጥ።

ደልታ ዝተብሃለ ዓይነት ኮሮናቫይረስ የስፋሕፍሕ ኣሎ

እዚ ኣብ ህንዲ ዝጀመረ ደልታ ዝተብሃለ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ንዝበዝሓ ሃገራት ኣውሮጳ ስግኣት ኮይንወን ምህላዉ እዩ ዝግለጽ።

ናይ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክፍሊ ምክልኻልን ምቁጽፋርን ሕማማት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝልከፉ እቶም 90 ሚኢታዊት በዚ ደልታ ዝተብሃላ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግምቱ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታ ዝለዓለ መጠን መልከፍትን ሞትን እያ ኣመዝጊባ ዘላ።

ኣብ ሩስያ፡ ኣብ ሓሙስ ጥራይ 23,543 ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ 672 ኸአ ሞት ተመዝጊቡ ኣሎ።

ዝበዝሑ ኸኣ በዚ ደልታ ዝተባህላ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ እዮም።

እታ ሓንቲ ካብተን ግጥማት ኵዕሶ እግሪ ዘአንግዳ ዘለዋ ከተማታት ሩስያዊት ከተማ ቅዱስ ፔተርስበርግ ኮይና፡ እታ ከተማ ሓሙስ ጥራይ 115 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶማ።

ሰብ መዚ ፊንላንድ፡ 21 ሰነ ኵዕሶ ንምዕዛብ ናብ ሩስያ ከይደም ዝነበሩ ልዕሊ 400 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ምስ ተለኸፉ፡ ንህዝቦም ናብ ሩስያ ከይገይሽ ከልኪሎም ኣለዉ።

"ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ዘይሓላፍነታዊ'ዩ"

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ሆረስት ስሆርፍ፡ እቲ ጸወታ ተዓዘብቲ ዝሳተፍሉን ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኽኻየድ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ምውሳኑ፡ ነቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዘጋደዶ ብምሕባር 'ዘይሓላፍነተጋዊ'ዩ' ኢልዎ።

ንሱ ብምስዓብ ኣብ ለንደንን ቡዳፔስትን ኣብ ዝግበር ጸወታታት ፍጻመን ፍርቂ ፍጻመን 60 ተዓዘብቲ ናብ ስታድዮም ክኣትዉ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ መደብ ምውጽኡ ብትሪ ነቂፉ።

ብምስዓብ "ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ንምንታዩ እዚ ዘሎ ኩነታት ክርድኦ ዘይከኣለ ኣይርድኣንን'ዩ፤ ወይ'ውን ምናልባት ብዛዕባ ንግዳዊ ጉዳያቱ ጥራይ እዩ ዝሓስብ ኢለ እጥርጥር" ኢሉ።

ሚኒሰትሪ ጥዕና ስኮትላንድ ብሓሙስ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም፡ እቶም 1294 ጸወታታት ንምዕዛብ ናብ ለንደን ገይሾም ዝነበሩ ምዃኖምን ካብኦም እቶም 397 ናብ ዌምብለይ [ጸወታ ዝተኻየደሉ ስታድዮም] ኣትዮም ምንባሮምን ሓቢሩ።

ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ'ውን 27989 ሰባት ኣብ ሓደ መዓልቲ ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እዚ ኻኣ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ እቲ ዝለዓለ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ መጠን መልከፍቲ እዩ።

እንተኾነ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 62.7 ሚኢታዊት ክልተ ግዜ ተኸቲቦም እዮም።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ኸኣ

  • ፖርቱጋል - መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ከተማታት ሊዝበንብ ፖርቶን ካብ ሎሚ ዓርቢ ዝጅምር ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጁ ኣሎ
  • ስጳኛ - ኣብታ ሃገር መጠን መልከፍቲ ብናህሪ እዩ ዝውስኽ ዘሎ። ኣብ ዕስራታት ኣብ ዘለዉ መንእሰያት ኣብ ውሽጢ 100 ሕሽ ሰባት እቶም 366 ሰባት ኮሮናቫይረስ ይርከቦም ኣሎ
  • ጀርመን - 70 ሚኢታዊት ካብቶም ኮሮናቫይረስ ዝርከቦም ዘሎ ሰባት በቲ ደልታ ዝብሃል ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ እዮም