እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣንጻር ኣስትራዘኔካ ኣብ ዝገበሮ ፍርዳዊ ምጉት ተሳዒሩ
ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣስታራዘኔካ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 120 ሚልዮን ብልቃት ከረክበኒ ኣለዎ ኢሉ ናብ ብራስለስ ዘቅረቦ ክሲ፡ ቤት ፍርዲ ውዱቕ ገይርዎ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ እቲ ክታበት ኣስትራዜኒካ ዘፍሪ ትካል ኣብ ቀረብ ዛሕቲሉ ብምባል እዩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክሲ መስሪቱ።
እቲ ትካል ኣብ መጀመርታ 300 ሚልዮን ብልቃጥ ኣብ ግዜኡ ከረክብ ተሰማሚዑ'ኳ እንተነበረ፡ ምስ ዝሕታለ ፍርያትን እገዳታት ሰደድን ተተሓሒዙ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 120 ብልቃጥ ጥራይ ከረክብ እዩ ምስቲ ሕብረት ተሰማሚዑ።
ቤት ፍርዲ ብራስለስ፡ ነቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘቕረቦ ክሲ እኳ እንተነጸጎ እቲ ትካል ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ነቲ ክታበት ንኣውሮጳዊ ሕብረት እንተዘይኣረኪቡ ሰፍ ዘይብል ናይ ገንዘብ መቅጻዕቲ ከም ዝጽበዮ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።
እቲ ክታበት ኣስትራዘኔካ ዘፍሪ ትካል ነቲ ውሳነ ናይ ቤት ፍርዲ ብጸጋ ተቐቢሉዎ ኣሎ።
ክታበት ኣስትራዘኔካ ኣብ ኦክስፎርድ ዝፈሪ ኮይኑ ክልተ ግዜ ዝውሃበ ክታበት እዩ፤ ብደረጃ ዓለም ኸኣ እቲ ዝበዝሐ ተዘርጊሑ ዘሎ እዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ እንታይ'ዩ ኢሉ?
ቤት ፍርዲ፡ እቲ ኣስትራዘኔካ ዘፍሪ ኦክስፎርድ ክሳብ 27 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ 80.2 ሚልዮን ብልቃት ክታበት ንኣውሮጳዊ ሕብረት ከረክብ፡ እዚ ምስ ዘይገብር ግን እቲ ትካል ንሓንቲ ብልቃት ብሕሳብ 12 ዶላር ክቅጻዕ ብይን ኣሕሊፉ ኣሎ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክሳብ መወሳእታ ወርሒ ሰነ 120 ሚልዮን ብልቃት ክርከብ ኣለኒ ኢሉ ንዘቅረቦ ክሲ ነጺግዎ።
ኣስትራዘኔካ ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ብጸጋ ከም ዝተቐበሎ ብምግላጽ፡ ክሳብ ሕጂ 70 ሚልዮን ኣረኪቡ ከም ዘሎን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነቲ ጠለብ ቤት ፍርዲ ከም ዘማልእን ቃል ኣትዩ።
ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡስላ ቮን ደር ለይን፡ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ከምእተኽብሮ ብምግላጽ ኣስትራዘኔካ ንዝኣተዎ ውዕል ንምምላእ እኹል ተበግሶ ከም ዘይወሰደ'ያ ገሊጻ።
ንኣስትራዘኔካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዘየሰማምዖም ነጥቢ
ንኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወከለ ጠበቓ፡ ቤትፍርዲ ኣስትራዘኔካ ንኹለ ዝኣተዎ ውዕላት ንምምላእ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ኦክስፎርድ ባዮመዲካ'ውን ነቲ ክታበት ብብዝሒ ከፍሪ ከም ዘለዎ ውሳነ ምሃቡ'ዩ ዝገልጽ።
ኦክስፎርድ ባዮመዲካ ናብ ዓበይ ብሪጣንያ ዝኸውን ክታበታት ኣስትራዘኔካ ዘፍሪ ዘሎ ትካል እዩ።
ኣስትራዘኔካ ግን ቤት ፍርዲ፡ ንኣውሮጳዊ ሕብረት ዝኸውን ክታበት ኣብ ኦክስፎርድ ባዮመዲካ ከፍሪ ዝገድድ ውሳነ ከም ዘይሃበ'ዩ ዝገልጽ።
ክልቲኦም ተኻሰስቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ናብ ቤት ፍርዲ ክቀርቡ ተሓቢሩዎም ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፡ ኣስተራዘኔካ ነቲ ብቤትፍርዲ ዝተዋህበ ብይን ኣተግቢሩዎ'ዶ ንምጽራይ እዩ ክጋባእ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስተራዘኔካ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2021፡ 300 ሚልዮን ብልቃጥ ንኣውሮጳዊ ሕብረት ከረክብ ተሰማሚዑ ነይሩ።
ድሒሩ ግን ብሰንኪ እገዳታት ናይ ሰደድን ፍርያትን ኣስትራዘኔካ ነቲ ቁጽሪ ናብ 100 ሚልዮን ኣጉዲልዎ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መወዳእታ ጠለቡ ናብ 120 ሚልዮን ብልቃጥ ብምጉዳል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ነቲ ክታበት ክርከቦ ነይሩኒ ብምባል እዩ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሑ።