ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ንምትእትታው ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብምቅዋም ናብ ባይቶ ጸጥታ ጥርዓን ኣቕሪባ

ኢትዮጵያ፡ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጠሪዓ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ማሕበር ብዛዕባ ህንጸት ናይቲ ግድብ ኣመልኪቱ ንባይቶ ጸጥታ ደብዳበ ምጽሓፉ ከም እትቃወም ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቀ መኮንን ትማሊ ሰኑይ ናብቲ ባይቶ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ማሕበር ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ደብዳበ ክጽሕፍ መሰል ከም ዘይብሉ ብምጥቃስ፡ እቲ ስጉምቲ ንሃገሩ ከም ዘቖጥዓ ኣፍሊጡ።

"ኣባላት ሃገራት ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ብዛዕባ ኣባይ ዝምልከት ግብጺ እትብሎ ነገር ከየመዛዘኑ ክቕበሉ እዚ ናይ መጀመርትኦም ኣይኮነን" ይብል መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ።

ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ስሉሳዊ ልዝብ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ሃገራት ዓረብ ነቲ ስጉምቲ ምውሳደን ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ኢትዮጵያ ኣነጺራ።

እቲ ስጉምቲ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሕረብት ኣፍሪቃን ማሕበር ሃገራት ዓረብን ዘሎ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ'ዩ ክብል'ውን እቲ መግለጺ ኣጠንቂቑ'ሎ።

"ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን እዩ። ኩሎም ወገናት ተጠቀምቲ ብዝገብር መንገዲ ስሉሳዊ ናይ ልዝብ መድረኽ ዘርጊሑ'ሎ። እዚ ድማ ንኣፍሪቃዊ ጸገም ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ዝብል መትከል ዝተኸተለ እዩ" ይብል ደብዳበ ኢትዮጵያ።

ኢትዮጵያ ንሸምጋሊ ተራ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዋ ደገፍ ብምግላጽ፡ ሱዳንን ግብጽን'ውን ተመሳሳሊ መርገጺ ክወስዳ ጸዊዓ።

ሰለስቲአን ሃገራት ብዛዕባ ምምላእ ማይ ናይቲ ግድብ ዘለወን ምስሕሓብ ክሳብ ሕጂ መፍትሒ ኣይረኸባሉን ዘለዋ።

ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረቶ በይናኣዊ ምምላእ ማይ ኣብዚ ናይ ሕጂ ክረምቲ ከም ዝቕጽል ክትገልጽ እንከላ፡ ሱዳንን ግብጽን ግን ቅድም ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ይጠልባ።

መንግስቲ ግብጺ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ክረምቲ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንምጅማር ኣውጺኣቶ ዘላ መድብ ኮኒንዎ'ሎ።

ሚኒስተር መስኖ ግብጺ መሓመድ ዓብደል ዓጢ፡ ምምላእ እቲ ዲጋ መዓስ ከምዝጅምር ካብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ብምሕባር፡ እቲ ውሳነ ንምርግጋእ ናይቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘብጽሕ'ዩ ብምባል ከም ዝነጸጎ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ እቲ መደብ ናይ ኢትዮጵያ በይንኣዊ ውሳነ ምዃኑ ብምጥቃስ: እቲ ናይ ኢትዮጵያ ውሳነ "ንዓለምኻዊ ውሳነን ሕግን ዝጥሕስ እዩ፡ ንሓባራዊ ጥቕሚ ዝህብ ከም ናይል ዝኣመሰለ ወሓዚ ዘማእክል ዓለምለኻዊ ሕግን ቅጥዕን ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ይጠሓስ ኣሎ" ክብል ከሲሱ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ንሰለስቲአን ሃገራት ብምጽዋዕ ዘለወን ስግኣት ክገልጻ ድሕሪ ምግባሩ፡ ናብ መኣዲ ዘተ ክምለሳ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ተማሕጺኑ ነይሩ።