እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግድብ ህዳሰ: ሱዳን ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ እማመ ምምላእ ማይ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ
ሱዳን፡ እቲ ህንጸቱ ዳርጋ ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ግድብ ህዳሰ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ኣመልኪቱ ካብ ኢትዮጵያ ዝቐረበ እማመ ሓሳብ ነጺጋ።
ሮይተርስ ንሓደ ስሙ ክጽራሕ ዘይደለየ ሱዳናዊ በዓል ስልጣን ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ፡ ንካልኣይ ዙርያ ማይ ምምላእ ናይቲ ግድብ ኣመልኪቱ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ሓሳብ፡ 'ዘይጭበጥ'ን 'ግዜ ንምንዋሕ' ኮነ ተባሂሉ ዝቐረበ እዩ ክብል ተቓዊሙ።
ወሲኹ ድማ ከምዚዓይነት ሓሰብ፡ ንኹሉ ኣባል ሃገራት ዘካተተ እንተዝኸውን ብመገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢሉ ክቐርብ ይግባእ ነይሩ ኢሉ።
እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ላዕለዋይ በዓልመዚ ሱዳን፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ሓሳብ ብሓፈሻ ዘይሕሰብን ካብ ክሊ ከይዲ እቲ ልዝብ ወጻኢ ዝኾነ ምዃኑን ገሊጹ።
እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ሮይተርስ ንሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ስለሺ በቀለ ሕቶ እንተቕረበ'ኳ፡ ምላሽ ኣይረኸበን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ማሪያም ኣል ማሐዲ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢዱ ከእቱን ኢትዮጵያ ብኢደ ወነና ማይ ካብ ምምላእ ክትቑጠብን ምሕታታ ዝዝከር እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ደረጃ ማይ ምምላእ እቲ ግድብ ምስ ኣሳለጠት፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ካልኣይ ዙር ዝሓሰበቶ ውጥን ካብ ምግባር ዝእግዳ ከምዘየለ ክትገልጽ ምጽናሓ ይፍለጥ።
ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብዚ ዓመት እንተዘይተሰሊጡ፡ ዓቢ ኪሳራ ከምዘስዕበሉ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጎናጎኒ እቲ ልዝብ፡ ማይ ናይ ምምላእ ስራሕቲ ከምዝሳልጥ እዩ ዝገልጽ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ሚኒስተር መስኖ ሱዳን፡ ፕሮፌሰር ያሲር አባስ፡ ኣብ ገለ ወሰንቲ ጉዳያት ቅድመ ስምምዕ ምግባር እንተተኻኢሉ፡ ሃገሩ ንካልኣይ ዙር ማምላእ ማይ እንተቐጸለ ከምዘይትቃወም ገሊጹ ነይሩ።
ሱዳን፡ ሰለስተ መሰረታዊ ቅድመ ኩነት ዘቕመጠት ኮይና፡ ድሕሪ ማይ ምምላእ እቲ ልዝብ ክቕጽል ምዃኑ ዘተኣማምን መረጋገጺ እንተሂባ፤ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተኻየዱ ልዝባት ናይ መወዳእታ ክታም ክዓርፈሉን፡ ብቐጻልነት ልዝብ ዝካየደሉ ግዜ ገደብ ብግልጺ ክሰፍርን ዝብል ይርከቦም።
እዚ ምስ'ቲ፡ ግብጽን ሱዳንን ቅድም ክብል ዝሓዝኦ ተሪር መርገጺ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ናይ ሕጂ ናይ ሱዳን መግለጺ፡ ዓቢ ለውጢ ተገይሩ ተወሲዱ ነይሩ።
ፍረ ዘይብሉ ዝርርብ
ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ግብጽን፡ በቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንምዝዛሙ ቅሩብ ዝተረፎ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ካልኣይ ግዜ ንኽትመልእ ዘውጽኣቶ ውጥን ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሓ ስለዘይከኣላ ኣብ ምትህልላኽ እየን ዘለዋ።
እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ስለዝተሃንጸ፡ ሱዳንን ግብጽን ቀንዲ ምንጪ ጽሩይ ማየን ዝኾነ ኒል መጠን ማዩ ከየጉድሎ ዓቢ ስግኣት ከምዘለወን'የን ዝገልጻ።
ኢትዮጰያ ከኣ ኣብ እዋን ክረምቲ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከምእተካይድ እያ ትሕብር ዘላ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት (ኢትዮጵያ፤ ሱዳንን ግብጽን) ክግብር ዝጸንሐ ዘተታት ዝኾነ ፍረ ስለዘይተረኸቦ፡ ንኣመላልኣ እቲ ዓቢ ግድብ ኣመልኪተን ኣብ ሓደ ስምምዕ ከይብጽሓ ኢትዮጵያ ምምላእ ከይትጅምር'ሞ ናብ ዝኸፈአ ምስሕሓብ ከይኣትዋ ስግኣት ኣሎ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ገጽ ምምላእ ኣብ ዘካየደትሉ'ውን ሱዳንን ግብጽን በቲ ሓሳብ ናይ ኢትዮጵያ ኣይተሰማማዓን ነይረን።
ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ዘተ ሰለስቲኤን ሃገራት ዳርጋ ሰማዒት ጥራይ ኮይና እያ ትኸይድ ነይራ። ሕዚ ግና ምስ መርገጺ ናይ ግብጺ ብምስምማዕ: ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ሱዳን ከምጽኦ ዝኽእል ጸገማት ኣብ ምጉስጓስ ትርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝካየድ ድርድር ክቕጽል ንምግባር በመገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉባኤ ምጽዋዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ ነይራ።
ክልቲአን ሃገራት ብወገነን፡ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ዝኣመሰሉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ኢዶም ክሓውሱ እየን ዝጠልባ።
ግድብህዳሰ . . .
ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ህንጸቱ ክዛዘም ትልሚ ተታሒዙሉ ዝተጀመረ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከይተዛዘመ ናብ ዓሰርተ ዓመት ይኸይይድ ኣሎ።
ህንጸቱ ምስተዛዘመ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ግድብ ከምዝኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ህዳሰ: ኣብዚ እዋን 80 ሚኢታዊት ስራሕቱ ከምዝተወገነን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሓይሊ ከመንጩ ተስፋ ከምዘሎን ይግለጽ።
ልዕሊ 5 ሺሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ/ጸዓት ከመንጩ ትጽቢት ዝግበረሉ እቲ ግድብ: ህንጸቱ ተዛዚሙ ናብ ኣገልግሎት ኣብ ዝኣትወሉ እዋን: ንልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንኢንዳስትሪታትን ጎረባብቲ ሃገራትን ሓይሊ ከቕርብ ከምዝኽእል ይዝረበሉ።