እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካናዳ፡ ብሰንኪ ሙቐት ዓሰርተታት ሰባት ሞይቶም
ኣብ ካንዳ ብሰንኪ ብርቱዕ ሙቐት ዓሰርተታት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እዚ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ መጠን ሙቐት እቲ ዝልዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።
ፖሊስ እታ ሃገር፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሎሚ መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ዝኾኑ ኣስታት 70 ሰባት ብሃንደበት ምሟቶም ገሊጹ ኣሎ።
ጠንቂ ሞቶም ኸኣ ምስቲ ዘሎ ብርቱዕ ምቖት ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ልይተን ብሪትሽ ኮሎምብያ፡ ካናዳ ክሳብ ሰሉስ ብተኸታታሊ መዓልታት 49.5 ዲግሪ ሴንቲግሬት ከምዝተመዝገበን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካናዳ መጠን ሙቐት ካብ 45 ዲግሪ ሰንቲግሬት ሓሊፉ ከምዘይፈልጥን'ዩ ተሓቢሩ።
ሓላፊ መደበር ፖሊስ ቫንኮቨር ካፕተይን ማይክ ካላንጅ "ንጎረቤትኩም ድሃዩ ፍለጡ፡ ንስድራኹም ሃለዋቶም ፍለጡ፡ ንኣረጋውያን ተኸታተልዎም" ዝብል መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኣመሓላሊፉ።
"እዚ ዘሎ ኩነታት ኣየር ነቶም ኣዝዮም ዝተቓልዑ ክፋል ሕብረተሰብና ኣዝዩ ቀታሊ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ብፍላይ ንኣረጋውያንን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን" ድሕሪ ምባል "በጃኹም በብዘለናዩ ኩነታቶም ንፍለጥ" ኢሉ።
ነባሪት ልይተን ዝተብሃለት ቁሸት ሜጋን ፋንድሪች ምስ ማዕከን ዜና ግሎባል ኤንድ መይል ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ንደገ ምውጻእ ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ ኢና በጺሕና ዘለና" ኢላ።
ንደቃ ናብቲ ዝሕል ዝበለ ክፋል ብሪቲሽ ኮሎምብያ ከምዝሰደደቶም እትሕብር ሜጋን፡ እቲ ዘሎ ሙቐት 'ክትጻወሮ ዘይትኽእል' ምዃኑ'ያ ትሕብር።
"ብዝተኻኣለ መጠን ካብ ገዛ ኣይንወጽእን ኢና፡ ንደረቅ ሙቐት ለሚድናዮ ኢና፡ ንሕና ዝለመድና 30 ዲግሪ ሴንቲግሬት እዩ ምስዚ ሕጂ ዘሎ ልዕሊ 47 ዲግሪ ሴንቲግሬት ግን ኣዝዩ ዓቢ ፍልልይ እዩ ዘለዎ" ኢላ።
ክፍሊ ምክትታል ኩነታታት ኣየር ካናዳ፡ እዚ ዘሎ ሙቐት ንዞባታታት ብሪቲሽ ኮሎምብያ፡ ዞባ ኣልቤርታ፤ ሳስካትቸዋን ከምኡ'ውን ገለ ዶባት ሰሜናዊ ምዕራብን ክፋል ዮኮንን ተናኺፍወን ከምዘሎ እዩ ገሊጹ።
ላዕለዎይ ሓላፊ ትምበያ ኩነታት ኣየር ካናዳ ደቪድ ፊሊፕስ "ካናዳ ካብ ዓለም ብዛሕሊ ኣብ ካልኣይ እያ ትስራዕ፡ ስሕት ስሕት ኢልና ቡርቱዕ ውርጪ [መሸምቦባ በረድ] ንርኢ ኢና፡ ከምዚ ዓይነት ሙቐት ክርአ ግን ኣዝዩ ሳሕቲ'ዩ" ድሕሪ ምባል "በዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና መጠን ሙቐት ዱባይ ዝዝሓለት እያ" ኢሉ።
እዚ ዘሎ ብርቱዕ ሙቐት ንኣመሪካኸ ከመይ ጸልይዋ ኣሎ?
ከተማታት ስያትልን ፖርትላንድን፡ ካብ 1940ታት ጀሚረን መዓልታዊ መጠን ሙቐት ክስንዳ ካብ ዝጅምራ እዚ ናይ ሕጂ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ኮይኑ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ዘሎ መጠን መቐት ገመድ ናይ ኤለትሪክ ከምክኽ ከም ዝኸኣለ ዝገለጸ ስትሪትካር ዝተብሃለ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህብ ትካል ብሰንበት ስራሕ ደው ከምዘበለ ንዓማዊሉ ገሊጹ።
ሓደ ነባሪ ከተማ ስያትል ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እታ ኣብ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግተን እትርከብ ከተማ ስያትል ልክዕ ከም ምድረበዳ ኮይና ምህላዋ ሓቢሩ።
ኣማዞን፡ ኣብ ስያትል ዝርከበን ህዝቢ ናብቲ መዝሓሊ ዘለዎ ኣብያተ ጽሕፈቱ ኣትዩ ከዕቅል ካብ ሰኑይ ፈቒዱ ኣሎ፥