ኮቪድ 19፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዲሽን ተሪርን ዕጽዋ ኣተኣታትያ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ሓድሽን ተሪርን ዕጽዋ ኣተኣታትዩ።

ብመሰረት እዚ ሓዲሽ ኣዋጅ፡ ኣብታ ሃገር ንዝመጽእ ክልተ ሳምንታት ዝኾነ ዓይነት ኣልኮል ምሻጥን ፖለቲካዊ ኾነ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ ብትሪ ተኸልኪሉ ኣሎ።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘይካ እዚ፡ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚረን ክዕጸዋን እቲ ዝነበረ ኣዋጅ ሰዓት እቶእቶ ብዝተረረ ኣገባብ ክቅጽልን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ'ሎ።

እቲ መጀመርታ ኣብ ህንዲ ዝተረኣየ ደልታ ዝተባህለ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ደቡበን ኣፍሪቃ ኣስፋሕፊሑ ከም ዘሎን፡ ነታ ሃገር ናብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ መጠን ለበዳ ከም ዝመለሳን እዩ ዝንገር ዘሎ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳም ጥራይ 18 ሽሕ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከም ዝተረኸቡ'ዩ ጸብጻብ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝሕብር።

ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ፡ እቲ ተወሲኑ ዘሎ ተሪር ዕጽዋ ምስቲ ፍጥነት ናይ ለበዳ ዝዳረግ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።

"ኣብ ኣዝዩ ከቢድን ኣሸጋርን ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኢና ዘለና፤ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ክልተ ማዕበላት ለበዳ ክብእስ ከም ዝኽእል ኸኣ ምልክታት የርኢ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ብምስዓብ ማእከላት ጥዕና እታ ሃገር ልዕሊ ዓቕመን ሰብ ይመልእ ከም ዘለዋ'ዩ ንህዝቢ ኣጠንቒቑ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ካብቶም 59 ሚልዮን ህዝባ ነቶም 2.5 ሚልዮን ብውሕዱ ሓንሳብ ከም ዝኸተበት እዩ ዝሕበር።

እቲ መስርሕ ክታበት ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮ ፍጥነት ከም ዘይቀጸለ ኸኣ ብዙሓት ዘዕዘምዝምሉ ጉዳይ እዩ።

ፕሪዚደንት ሲሪል ራማፎዛ ብወገኑ "እዚ ሕጂ ተረኪብናዮ ዘለና ክታበታት ነቲ መስርሕ ክታበት ከቀላጥፎ'ዩ" ኢሉ።

ብመሰረት ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉዋ ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 1.9 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልለፉ እንከለዉ፡ 59900 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።