እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንመርዓ ዝመደብዎ 370 ሽሕ ብር ንተመዛበልቲ ትግራይ ዘወፈዩ መጻምድቲ
ብሰንኪ እቲ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ናይ 2020 ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ከምዝመሞቱ'ዩ ዝግለጽ።
ብዘይካ እዚ ልዕሊ ሱሳ ሸሕ ናብ ሱዳን ክስደዱ እንከለዉ፡ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ኸኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ጉዳያት ህጻናት (ዩኒሴፍ) ኣብቲ ክልል ኣስታት 33 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ንሓደጋ ሞት ተቃሊዖም ኣለዉ ኢሉ መግለጺ ምውጽኡ'ውን ዝዝከር እዩ።
ከምቲ ሓጎስን ሓዘንን መኻይድቲ'ዩ ዝብሃል ኸኣ ንቡር ማህበራዊ ህይወት ስለዘይተርፍ፡ መርዓታት'ውን ምክያዱ ኣይተረፎን።
መርዓ መጻምድቲ ቃልኣብ በላይን መኣዛ ታደሰን'ውን ኣብ ከምዚ ህሞት እኳ እንተተቖጸረ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ሓዚሉ እዩ መጺኡ።
እቲ ዛንታ ክንምለሶ ኢና ።
ህሉው ኩነታት ትግራይ
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 350 ሽሕ ዝኾኑ ነበርቲ ትግራይ 'ኣብ ኣዝኡ ዘሻቕል ኩነታት ይርከቡ' ክብል ገሊጹ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ትግራይ ጥሜት ኣጓኒፉ ንዝብል ብምንጻግ፡ እኹል ረድኤት ናብ ዝምልከቶም ከባብታት የብጽሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣብ ትግራይ ኣብ 4 ሕዳር 2020 ኲናት ካብ ዝጅመር ንድሓር ልዕሊ 1.7 ሰባት ምምዝባሎም፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ምማቶምን ኣብቲ ክልል ሓያል ማሕበራዊ ቅላውላው ስዒቡ ከምዘሎን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ሊያ ታደሰ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 75 ሽሕ፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾኑ ሕጽረት ምግቢ ዘጋጠሞም ህጻናት ናብ ማእከላት ጥዕና ምምጸኦም ሓቢራ።
ካብ መንጎኦም እቶም 4 ሚኢታዊት ብሕሱም ሕጽረት ምግቢ ዝተሃሰዩ ኮይኖም፡ ኣድላይ ዝበሃል ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ድጋፍን ከምዝረኸቡ ጠቒሳ።
ኣስታት ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ፡ ንዝለዓለ ቅልውላው ተቓሊዑ ከምዘሎ ብሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር።
ኣመሪካን ኣውሮጳን ብሓባር፡ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ኩሎም ተኹሲ ጠጠው ከብሉን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ሚልዮናት ረድኤት ዝረኽብሉ ኩነታት ክፍጠርን ምሕታቶም ይዝከር።
ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ፡ 'ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ኣሎ' ኢሉ'ኳ እንተተዛረበ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ሓሳብ ኣይቕበሎን።
ማርክ ሎውኮክ ግን፡ እቲ ዓጸቦ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝኸፍአ ሞትን ስቓይን ከይኣስዓበ እንከሎ ብኣግኡ፡ 'ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል' ጻውዒት ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘለዎ ይዛረብ።
ናብቲ መርዓ ክንምለስ
ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ቀዳምነት ክንህቦ ይግባእ ዝበሉ መርዓዊ ቃልኣብ በላይን መርዓት መኣዛ ታደሰን፡ ኣብ መርዖም ከውጽእዎ ዝሓሰቡ 370 ሽሕ ብር ነቶም ብቅለውላው ትግራይ ዝተመዛበሉ ከወፍይዎም'ዮም ወሲኖም።
ገይረሞ ኸኣ!
እዞም መጻምድቲ ምስ ቢበሲ ኣብ ዝገብዎ ቃለ መሕተት፡ ህዝቢ ብጥምዩ ንናይ መርዓ ጽንብል ወጻኢታት ከነውጽእ ስለዘይብልና እቲ ንመርዓ ከነውጽኦ ዝሓሰብና ወጻኢታት ንዝተጸገሙ ክንሕግዘሉ ወሲንና ይብሉ።
መርዓዊ ቃልኣብ በላይ "እተን 200 ሽሕ ብር ነቶም ኣብ መጽለሊ ዘለዉ ወገናት እቲ ዩኤንኤችሲኣር ዝገበረሎም መጽለሊ ስለዝፈረሰ ቴንዳ መግዝኢ ንኽኸውን ኢና ኣወፊናዮ" ይብል።
መርዓዊ ቃልኣብ ብምስዓብ "እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ወራር ናብ ምፍንቃልን ጥምየትን ስለዘምረሐ ወገንና ኣብ ሽግር እንከሎ ድግስ ዘለዎ መርዓ ክንገብር የብልና ኢልና ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ምስ ክልትኦም ስድራ ተማኺርና እቲ ኣብ መርዓ ክወጽእ ዝነበሮ ሰልዲ ኣብ ሓገዝ ሕብረተስብና ከምዝውዕል ገይርናዮ ኣለና" ኢሉ።
መኣዛ ታደሰ ብወገና "እዚ ንኡስ ኣበርክቶና ንናይ ህዝቢ ትግራይ ጸገም ይቀርፍ እዩ ኢልና ዘይኮነስ ካብታ ዘላትና ተኻፊልካ ንምሕዳር ብዝብል እዩ ብዓል ቤተይ ቃልኣብ ነዚ ሓሳብ ኣበጊስዎ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ሓሳብ ብሓሳጎስ ተቐቢለዮ" ኢላ።
ኣብ እዋን ምእሳር ቃል ኪዳን ብዘይ ናይ ቤተሰብ መሰነያታ ናብ ቤተ ክርስትያን ብምኻድ ብኣባት ነብሶም ጥራይ ቃል ኪዳን ከምዝኣሰሩ እያ መኣዛ ትሕብር።
ቃልኣብ ብወገኑ እቲ መርዐኦም ኣቐዲሙ ንወርሒ ምያዝያ እኳ ክካየድ ቆጸራ ተታሒዙ እንተነበረ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትገራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከምእተናወሐ እዩ ዝሕበር "ኣብዚ ሕጂ እዋን ኮይንና ምስ ሓሰብናዩ ኸኣ እቲ መርዓ ክኸውን እንተኾይኑ ከምታ ህዝብና ዘለዋ ክኸውን ኣለዎ ብምባል ኢና ብዘይ ጽንብል ኣካይድናዮ" ኢሉ።
መርዓዊ ቃልኣብ ነቲ 170 ሽሕ ብር ነቶም ኣብ መቀለ ብውልቆም ነቶም ዝተፈናቀሉ ንምሕጋዝ ተበግሶ ዝወሰዱ መንእሰያት ምስ ሓተትዎ ኣብቲ ዝሓበርዎ ቁጽሪ ሕሳብ ከምዘእተወሎምን ንሶም ብወገኖም ናይ ምስጋና ምስክር ወረቐት ከምዝሃብዎ ገሊጹ።
እቲ ካልኣይ 200 ሽሕ ብር ኸኣ ንኣይስ ዝተብሃለ ግበረ ሰናይ ምስ ዳይረክተር ጀነራል እቲ ማሕበር ብምዝርራብ ነቶም ዝተፈናቐሉ ቴንዳታት ንኽግዝኣሎም ተሰማዒዖም ከምዘወፈይዎ ይገልጽ።
ትካል ግብረ ሰናይ ኣይስ ብወገኑ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ንመርዓውን መርዓት ንዝገብርዎ 'ሰናይ ተግባር' ብምምስጋን "ኣብ ቁርጺ እዋን ምስ ህዝቦም ከምዘለዉ ብተግባር ንዘርጋገጹ ኣሕዋትና ክብርን ሞሳን ይብጽሓዮም" ብምባል ነቲ ተግባር ካልኦት ክስዕብዎ መልኽቱ ኣመሓላሊፉ።