ኢትዮጵያ ተርእዮም ዘላ ለውጥታትን ኣብ ቅድሚኣ ዝተገተሩ ብድሆታትን

ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ንፈለማ እዋን ኣብ እተካይዶ ዘላ ሃገራዊ ምርጫ፡ ቢቢሲ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝተራእዩ ተቐያየርቲ ምዕባለታትን ብድሆታትን ዳህሲስዎም ኣሎ።

እቲ ዝምረጽ ምምሕዳር ልዕሊ 115 ሚልዮን ህዝቢ ከመሓድር'ዩ። ኢትዮጵያ፡ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ናይጀርያ፡ መበል ካልኣይቲ፡ ብዓለም ደረጃ ድማ መበል 12 እያ።

ምስቲ ቅድሚ 60 ዓመታት ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብ5 ዕጽፊ ዓብዪ'ሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ግን፡ መጠን ዕብየት ቁሩብ ነክዩ'ሎ።

ክሳብ 2050 ኣብ ዘሎ እዋን ድማ፡ ኣብ ዓመት 3 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ክውሰኹ'ዮም፡ እዚ ማለት ብዓለም ደረጃ ሻምነይቲ ክትከውን'ያ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ቕልጡፍ ብዝኾነ ቁጠባዊ ለውጢ'ያ ሓሊፋ። ብዝሒ ህዝቢ ድማ ልዕሊ'ቲ ቁጠባዊ ዕብየት እናኾነ'ዩ መጺኡ።

ዋላ'ኳ ኣብ 2002 ከምኡ'ውን 2003 ኣብ ዝነበረ ናይ ደርቂ እዋን፡ ኣንቆልቊሉ እንተነበረ፡ ድሕሪኡ ግን ማእከላይ ገምጋም እቶት ሓደ ሰብ ብልዕሊ 600 ሚእታዊት'ዩ ዓብዪ።

እንተኾነ፡ እቲ ዝተጨበጠ ቁጠባዊ ዕብየት ኣብታ ሃገር ብማዕረ ዝተዘርግሐ ኣይነበረን።

ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ቁጠባዊ ለውጢ ኣብ ምዕባይ ናይታ ከተማን ከም መገዲ ባቡር ዝበሉ ምምሕያሻት ትሕተ-ቅርጽን ተራእዩ እዩ።

ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ግን፡ ተረባሕቲ ናይቲ ዝተራእየ ቁጠባዊ ለውጥታት ከምዘይኮኑ ዘማርሩ ኣለዉ። እዚ መረረ እዚ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ ነይሩ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ለውጢ፡ ኣብ ምምሕያሽ ኣገልግሎት ጥዕና'ውን ተንጸባሪቑ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት፡ ቁጽሪ ሞት ትሕቲ 5 ዓመት ቆልዑ ዓቢ ምጉዳል ኣርእዩ እዩ።

መጠን ናይተን ኣብ እዋን ሕርሲ ዝሞታ ኣዴታት'ውን ነክዩ ይርከብ።

ኢትዮጵያ ብዙሓት ብሄራት ዝሓቖፈት ኮይና፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዝምድናታት ኣብ መጻኢ እታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

ተወለድቲ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ዝኾነ ብሄር ኦሮሞ፡ ንነዊሕ እዋን ቀጠባውን ፖለቲካውን ምግላል ከምዘጋጠሞም ከማርሩ ጸኒሖም'ዮም።

ካብ 2015 ንድሓር ዝጀመረ ተቓውሞታት'ውን ካብቶም ነቲ ባዕሉ'ውን ተወላዲ ብሄር ኦሮሞ ዝኾነ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክድይብ ዝገበረ'ዩ።

ኣብዪ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ብሄራዊ ምፍልላይ ብምፍዋስ፡ ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽ ድሌት ጸኒሕዎ'ዩ። ብኻልእ ወገን ከኣ ብዙሕነት እታ ሃገር ክጽንብል ይደሊ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠሙ ፍጻመታት ግን፡ ነቲ ራኢ'ቲ ዝብድሁ'ዮም ኮይኖም ዘለዉ።

ኢትዮጵያ ብፈደራላዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝቖመት ኮይና፡ 10 ብብሄር ዝተመቕላ ክልላትን፡ ክልተ ፍሉይ ምምሕዳር ዘለወን ከተማታትን ኣለዋኣ።

ዝኾነ ናይ ባዕሉ ክልል ዘይብሉ ብሄር፡ ብመንገዲ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ናይ ገዛእ ርእሱ ክልል ክፈጥር ይኽእል።

ንኣብነት፡ ሲዳማ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ህዝበ-ውሳነ ኣብ 2020 ብወግዒ ክልል ምዃና ኣዊጃ። ካልእ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ዝርከብ ብሄር'ውን ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ህዝበ-ውሳነ ብምግባር መበል 11 ክልል ክፍጠር ይኽእል'ዩ።

እቲ ፈደራላዊ ስርዓት ኣብ 1994 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ብኸፊል ነቲ ኣብ ዘመነስልጣን ውልቀመላኺ መንግስቱ ሃይለማርያም ዝነበረ ኣዝዩ ምእኩል ስርዓት ንምእራም ዝተሃንደሰ እዩ። ብመንግስቱ ዝምራሕ ስርዓት ደርግ ኣብ 1991 ብኲናት ተሳዒሩ ከምዘብቀዐ ይዝከር።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ሓደ ካብ ጠንቅታት ናይቲ ምትፍናን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ዝነበረ ፈደራላዊ ስርዓት ብምፍራስ፡ ምእኩል ምሕደራ ክምስርት ሃቐነ ኣለዎ ዝብል ክሲ'ዩ ነይሩ።

እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ቅልውላዉ ፈጢሩ ምህላዉን፡ ልዕሊ 63,000 ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከምዘገደደን ይፍለጥ። ካልኦት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ካብ ኣባይቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ።

ጃምላዊ ቅትለት ሲቪላውያንን ጾታዊ ዓመጻትን ከምዝተፈጸሙ'ውን ጸብጻባት ተጣበቕቲ መሰላት ይገልጹ። ልዕሊ 350,000 ሰባት ዓጸቦ ኣጋጢምዎም ምህላዉ ገምጋም ሕቡራት ሃገራት የረድእ።

ብመሰረት ገምጋም ናይቲ ውድብ ብሓፈሻ፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ናይቲ ክልል ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ነቲ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ በቲ ሕጂ ዝመርሕ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኪእዎ'ሎ። እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ኣብቲ ክልል ምርጫ ኣይክህሉን'ዩ።

እቲ ኣብ ነሓሰ 2020 ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምንውሑ፡ እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልል ትግራይ በይናዊ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ማእከላይ መንግስቲ "ዘይሕጋዊ" ዝበሎ መረጻ ብምክያድ፡ ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ተዓዊቱ ምንባሩ ይዝከር። እዚ'ውን ካልእ ጠንቂ ናይቲ ድሒሩ ዝተወልዐ ግጭት'ዩ።

እቲ ኲናት፡ ነቲ ኣብዪ ከረጋግጾ ክደሊ ዝጸንሐ ሃገራዊ ሓድነትን ምኽባር ብሄራዊ ፍልልያትን ኣብ ጸገም ኣእትይዎ ይርከብ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር'ውን ጎንጽታት ተወሊዖም ኣለዉ።

ገለ ካብኦም በቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዘሎ ናይ መሬትን ወሰናትን ምስሕሓብ ዝነቐለ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ኣብ ገለ ክፋላት ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝተፈጠረ ግጭት ንምህዳእ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።

ኣብ ፈለማ ናይቲ ወርሒ'ውን፡ ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማሊን ብዝተወልዐ ጎነጽ፡ 100 ሰባት ምቕታሎም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ክልል በኒሻንጉል-ጉሙዝ'ውን ቀጻሊ ውግእ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ገለ ግዳያት ከምዝብልዎ፡ ገለ ኣባላት ማሕበረሰብ ጉሙዝ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዝነብሩ ተወለድቲ ካልእ ብሄር መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተዛሪቦም ነይሮም።

ዋላ'ኳ፡ ነቲ ጎንጺ ንምህዳእ ብተደጋጋሚ ሰራዊት ፈደራል ናብቲ ከባቢ እንተ ተዋፈረ፡ ዛጊት እቲ ዝድለ ሰላምን ጸጥታን ኣይተረጋገጸን ዘሎ። ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ እንተ ተዓዊቱ ድማ፡ ነቲ ናይ ሃገር ምርግጋእ ዝፈታተን ዘሎ ጎነጽ ንምፍታሕ ዝያዳ ምስራሕ ከድልዮ እዩ።