ኣብ ዓዲ ጣልያን ጓል 18 ዓመት ሃለዋታ ስለዝጠፈአ ስድራኣ ይምርመሩ ኣለዉ

ሓንቲ ጓል 18 ዓመት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢጣልያ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ድሕሪ ምጥፋኣ ኣዝማዳ ብቅትለት እታ ጠፊኣ ዘላ ጓል ተጠርጢሮም መርመራ ይግበረሎም ኣሎ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት እቶም ስድራ ነታ ሳማን ኣባስ ዝተብሃለት መንእሰይ ናብ ፓኪስታን ከይዳ ክትምርዖ'ኳ ሓቲቶማ እንተነበሩ ንሳ ግን ብሓሳቦም ኣይተሰማመዐትን።

ሓደ ወዲ ሓወብኣ'ውን ኣብ ፈረንሳ ተታሒዙ ንመንግስቲ ዓዲ ጣልያን ተዋሂቡ ኣሎ።

ሓወቡኣ ንሳማንን ክልተ ደቂ ሓወቡኣን ክሳብ ሕጂ ከምዘይተረኸቡን ወለዳ'ውን ናብ ፓኪስታን ከምዝሃደሙ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣኽባሪ ሕጊ ዓዲ ጣልያን ሓሙሽተ ስድራ ሳማን ብቅትለትን ሬሳ ብምስዋርን ተጠርጢሮም ምህላዎም ክገልጽ እንከሎ ሃለዋት ኮነ ኣስክሬን ናይ ሳማን ክሳብ ሕጂ ኣይተረኸበን ኣሎ።

ኣቦኣ ንሳማን ጓሉ ጠፊኣ ምስ ተብሃለት ምስ ሓደ ጣልያናዊ ጋዜጤኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ጓሉ ናብ ቤልጂም ከምዝኸደት ሓቢሩ ነይሩ።

ብመስረት ማዕከናት ዜና ዓዲ ጣልያን ሳማን ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ትሕቲ ትካል ማሕበራዊ ድሕነት ተዓቊባ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብቲ ጥቃ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ዝርከብ መንበሪ ስድርኣ ተረኪባ።

ኣኽባሪት ሕጊ ኢዛቤካ ቺኤሲ ከምዝሓበረቶ ስድረኣ ናብ ገዝኣ ንኽትምለስ ኣታሊሎምዋ እዮም፡ ኮነ ኢልካ ብውጥን ዝተካየደ ውዲት እዩ ኢላ ከምእትኣም'ውን ትገልጽ።

ሬሳ ናይ ሳማን ኣብ ጥቃ ከኖቬላራ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ይድለ ምህላውን ፖሊስ ኣብቲ ሕርሻ ተቐቢራ ከይትህሉ ብመሳርሒ ተሓጊዞም ዳህሳስ የካይዱ ከምዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።

ሰበ ስልጣን ዓዲ ጣልያን ኣብቲ ከባቢ ዝትተኸለ ካሜራ ብምውካስ ሳማን 21 ሚያዝያ ተቐቲላ ክትከውን ከምእትክእል እምነት ከምዘለዎም ገሊጾም፡ ኣብቲ ካሜራ ካብቶም ሰለስተ ተጠርጠርቲ ሰለስተ ኣፍራዛ ባዴላን ሰማያዊ ሻንጣን ሒዞም እናኸዱ ይርኣዩ እዮም።

ኣብ ካልኣይ ማዓልቲ ኸኣ ሳማን ምስ ስድርኣ ካብ ገዛ እናወጽአት እንከላ ትርአ።