ኮሮናቫይረስ፡ ፍርቂ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት እንታይ ለውጢ የምጽእ ይኸውን?

ድኻታት ሃገራት ብሕጸረት ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሳቐያሉ ዘለዋ እዋን ኣመሪካ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ፒፋይዝ ክትልግስ ምኳና ተመባጺዓ ኣላ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናብ ኣኼባ ጉጅለ ሸውዓተ ንምስታፍ ናብ ለንደን ኣብ ዘምርሓሉ ብሓሙስ ነቲ ኣመሪካ ክትህቦ ዝተመባጸዓቶ ብልቃጣት ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ "እዚ ብሓንቲ ሃገር ዝወሃብ ዘሎ ዝበዝሐ ብልቃጣት ክታበት ኮሮናቫይረስ'ዩ" ኢሉ።

ብምስዓብ "ኣመሪካ ኣብቲ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ: ቀንዲ መዋፈሪት ኣጽዋር [ክታበት] ክትከውን እያ" ኢሉ። ምስ ጆ ባይደን ዝተረኸበ ላዕለዋይ ሓላፊ ምፍራይ ክታበት ፒፋይዝ ኣልቤርት ብወገኑ "ካብ ማዕዶ ብርሃን ዘርኢ ብስራት'ዩ" ኢሉ።

500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣዝዩ ብዙሕ ክመስል ይኽእል እዩ፡ ወረ እዩ! ግን እንታይ ፍልልይ ከምጽእ ይኽእል?

ኣመሪካ እንታይ'ያ ተመባጺዓ ዘላ?

ኣመሪካ ነቲ ክታበታት ካብ ፒፋይዘር መኽሰብ ብዘይብሉ ዋጋ ክትገዝኦ ተሰማሚዓ ኣላ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ንኣስታት 100 ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ኣብ ነሓሰ ከነከፋፍል ክንጅምር ኢና" ኢሉ።

ብምስዓብ እቲ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክሳብ መወዳእታ 2021 ክከፋፈል እቲ ዝተረፈ 300 ሚልዮን ብልቃጥ ኸኣ ክሳብ ሰነ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ክስዕብ እዩ።

እቲ ክታበታት ብመንግዲ ኮቫክስን ሕብረት ኣፍሪቃን እዩ ክከፋፈን፡ ን20 ሚእታዊት ናይቶም ክኽተቡ ዝግበኦም ሰባት ክሽፍን ኸኣ ትጽቢተር ተገይርሉ ኣሎ።

ኣመሪካ ኣቀድም ኣቢላ'ውን 80 ሚልዮን ዝኸውን ብልቃጥ ንድኻታት ሃገራት ክትልግስ ምኳና ተመባጺዓ ነይራ እያ። እዚ ድሒራ ዝተመባጽዓቶ 500 ሚልዮን ክታበት ተወሳኺ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ሃገራት ክንልግስ ኢና ኢለን ካብ ዝተመባጸዐኦ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ እዩ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሪቃ ዶክተር ማቲሽዲሶ ሞይታ ንመብጽዓ ናይ ኣመሪካ ዘለዋ ናእዳ ገሊጻ ኣላ።

ጉጅለ ሸውዓተ ተባሂለን ዝጽውዓ ሃገራት ኣመሪካ፤ ካናዳ፤ ፈረንሳ፤ ጀርመን፤ ጣልያን፤ ጃፓንን ዓባይ በርጣንያን እየን።

ብጀካ ኣመሪካ እተን ካልኦት ኣባላት ጉጅለ 7 ዝኾና ሃገራት'ውን ተወሳኺ ብልቃጣት ክታበት ከወፍያ ጀሚረን ኣለዋ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ብዝተውሃበ ሓበሬታ፡ ብመንገዲ ኮቫክስ 132 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበታት ናብ ሃገራት ተኸፋፊሉ ኣሎ።

ብዘይካ እዚ 54 ሚልዮን ዝኸውን ክታበታት'ውን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ካብ ሃገራት ቤልጂም፤ ዴንማርክ፤ ጃፖን፤ ስጳኛን ሽወደንን ንኮቫክስ ክውሃብ እዩ።

ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ኣኼብአን ምስ ወድኣ'ውን ንክታበት ዝምልከት ፍሉይ ሓባራዊ መብጽዓ ክኣትዋ ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ።

እዚ ዝልገስ ዘሎ ክታበታት እኹል ድዩ?

እቲ ዘሎ መጠን ብድሆ ኣዝዩ ገዚፍ እዩ፡ ድኻታት ሃገራት እቲ ክታበት ኣብ ኢደን ክበጽሕ'ሞ ንህዝበን ካብ ሞት ከድሕና ሃንቀው ኢለን'የን ዝጽበያ ዘለዋ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ክሳብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገር እንተውሓደ 10 ሚኢታዊት ካብ ህዝበን ንክኸትባ ተወሳኺ 250 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበታት ከድልየና እዩ" ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ጥራይ ካብዚ ዘሎ ተወሳኺ 100 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ከምዘድሊ እዩ ዝሕብር።

"ነዚ ዘሎ ለበዳ ንምግታእ፡ ሃገራት ዘለወን ክታበታት ክማቐላ ኣለወን" ኸኣ ይብል።

ኣብ ለካቲት 2021 ብሓፈሻ 1.3 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት ናብ ድኻታት ሃገራት ክከፋፈል ውጥን ወጽኡ ነይሩ፡ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ኸኣ ክከፋፍል ክጅምር እዩ።

ኮቫክስ ክሳብ መወዳእታ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበታት ከከፋፍል እዩ ሓሳብ ነይርዎ ሕጂ ግን እቲ ዕላማ ክሳብ መጀመርታ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ 1.8 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ናብ 92 ሃገራት ከከፋፍል ሓሊኑ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ወድብ ጥዕና ዓለም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝልዓለ ደረጃ ንምቁጽጻር 70 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ክኽተብ ከምዘለዎን ነዚ ብዝሒ ህዝቢ እዚ ንምኽታብ ኸኣ 11 ቢልዮን ክታበት ከምዘድሊ'ዩ ዝገልጽ።

ክታበት ኣብ ግዙኡ ናብ ኩሉ ከይባጻሕ ካልእ ማሕለኻኸ እንታይ ኣሎ?

ሓደ ካብ ብድሆታት ኮይኑ ዘሎ ምክፍፋል ናይ ክታበታት እዩ።

ኮቫክስ ክሳብ ሰነ 8 ኣብ ዝነበረ ግዜ 81 ሚልዮን ብልቃጣት ናብ 129 ኣባላት ሃገራት ኣከፋፊሉ ኣሎ።

ኣመሪካ ንበይና ከኣ ክሳብ ሕጂ 300 ሚልዮን ክታበት እያ ንህዝባ ከቲባ እዚ ምስ ኮቫክስ ክነጻጸር ከሎ እተን ካብ ኮቫክስ ዝጽበያ ድኻታት ሃገራት ኣዝየን ድሒረን ምህላወን እዩ ዘርእየካ።

ኮቫክስ ብብዝሒ ኣብቲ ኣብ ህንዲ ዝፈሪ ክታበት ኣስትራ ዘኔካ እዩ ዝምርኮስ።

እንተኾነ እቲ ምፍራይን ምዝርጋሕ ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ብሰንኪ እቲ ኣብ ህንዲ ኣብ ወርሓተ መጋቢት፤ ሚያዝያን ግንቦት ዘጋጠመ ዝኸፈአ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ክሰናከል ክኢሉ እዩ።

እቲ ኣብ ህንዲ ዝመደበሩ ሰሩም ኢንስቲቱት ኦፍ ኢንድያ ዝተብሃለ ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ዘፍሪ ትካል ብሓፈሻ 1.1 ቢልዮን ብልቃጥ ከፍሪ'ዩ ጠለብ ቀሪብሉ ነይሩ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ 30 ሚልዮን ብልቃጥ ኣፍርዩ ንኮቫክስ ከረክብ እንከሎ 190 ሚልዮን ብልቃጥ ኸኣ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ጠለብ ናይ ህንዲ ምስ ኣማልአ ካብ መወዳእታ እዚ ዓመት ንኮቫክስ ከረክብ ከምዝጅምር ምግላጹ ኸኣ ተወሳኺ ሻቅሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብ ገለ ሃገራት'ውን ነቲ ክታበት ምስ ተረከበኦ ኣብ ምክፍፋል ይድንጉያ ስለዘለዋ እቲ ክታበት ኣብ ኢደን እንከሎ መዓልቲ ከየሕልፍ ስግኣት ኣሎ።