እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ከብዲ ሓደ እሱር 30 መሳምር ብመጥባሕቲ ወጺኡ
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባምንጭ፡ ካብ ከብዲ ሓደ እሱር ኣስታት 30 መሳምርን ከም ሓጺን ስብርባር ቢሮን ዝኣመሰለ ባዕዲዊ ነገራትን ብሕክምናዊ መጥባሕቲ ወጺኡ።
እቲ 7 ዓመታት ተፈሪድዎ ኣብ ማእሰርቲ ዘሎ ውልቀሰብ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዘለዎ ስለዝተፈለጠ ክትትል ሕክምና ይግበረሉ ምንባሩ ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ኣርባምንጫ ኣይተ ተመስገን ተሾመ ተዛሪቡ።
ኣብ 7 ግንቦት 2013 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ድማ ሕማም ከብዲ ከምዝተሰምዖ ስለዝገለጸ ናብቲ ሆስፒታል ተወሲዱ። ሽዑ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ከምዝነበረ ድማ ኣይተ ተመዝገን ገሊጹ።
ሰብ ሞያ ሕክምና ዝተፈላለዩ ሕቶታት ምስሓተትዎ “ሚስማራት ይውሕጥ” ከምዝነበረ ሓቢርዎም።
ንዝሃቦም ምላሽ ዝሰምዑ ሰብ ሞያ ሕክምና ብቕልጡፍ ምርመራ ኣልትራሳውንድ ገይሮምሉ፤ ውጽኢት ምርመርኡ ከኣ ኣብ ውሽጢ ከብዱን መዓናጥኡን ባዕዲ ነገራት ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።
እቶም ዘይተለመዱ ነገራት ኣብ ውሽጢ ካብ ምህላዎም ብተወሳኺ ንመዓንጥኡ ይዕጽው ብምንባሮም’ዩ ብቕልጡፍ መጥባሕቲ ክግበረሉ ዝተወሰነ።
መጥባሕቲ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ድማ ንጭጎርኡ ብፍላይ ንመዓናጥኡ ከምዝበሳስዖ ስለዝተፈለጠ ብጥንቃቐ ክእረዩ ከምዝተገበረ ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ኣርባምንጭ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
ዝበዝሑ ሚስማራት ዝርከብዎም፣ እስክሪቶታት፣ መርፍእ፣ ዝተፈላለዩ ክርታት፣ ሓጻዊንን ካልእን ኣብ ውሽጢ ከብዱ ጸኒሖም።
“ኣብዚ እዋን ኩነታት ጥዕንኡ ጽቡቕ’ዩ ዘሎ፤ ምናልባት ተወሳኺ ምርመራ ከድልይ ይኽእል’ዩ። በላሕቲ ነገራት ይውሕጥ ስለዝነበረ ንውሽጣዊ ኣካላቱ ጎዲእዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኢሉ ኣይተ ተመስገን።
ብፍላይ ኣብ ጎሮርኡን ጨጓርኡን ቁስለት ፈጢሩ እንተኾይኑ ምርመራታት ምክያድ ከምዘድልይ ዝሓበረ ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል አርባምንጭ ኣይተ ተመስግን፡ ካብቲ ዝተገበረሉ መጥባሕቲ ምስሓወየ ተወሰኽቲ ምርመራታት ከምዝግበረሉ ተዛሪቡ።
ናብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምእታዉ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዘይነበሮ ብምዝኽኻር ከኣ ኣብዚ እዋን ግን ክትትል ስነ-ልቦናዊ ሕክምና ከምዘድልዮ ገሊጹ።