እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ህንዲ ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሓወዩ ሰባት ዓይነስውር ብዝገብር ሕማም ይጥቅዑ ኣለዉ
ካልኣይ ማዕበል ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ከቢድ ጸበባ ዘእተዋ ህንዲ መዓልታዊ ብኣማኢት ኣሽሓት በቲ ቫይረስ ይተሓዙላን ኣሽሓት ይሞቱላን ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ሰብ ሞያ ሕክምና፤ ኣብቶም ካብቲ ሕማም ይውዩ ዘለዉን ዝሓወዩን ሕሙማት ‘ብላክ ፈንገስ’ ዝተባሃለ ሕማም ይርእዩ ምህላዎም ተገሊጹ።
ብናይ ሕክምና ስሙ ‘ሙክሮሚኮሲስ’ ብዝብል ዝፍለጥ እዚ ብርሃን ዓይኒ ዘስእን ጸገም ጥዕና ዝበዝሕ እዋን ካብ ሓመድ፣ ተኽልታት፣ ዒባን ዝበዝበሱ ፍሩታታት ዝመጽእ እዩ።
እቲ ሕማም ነቶም ናብ ሰብነትና ኣየር ዝኣትወሎም ነዃላት ወይ ንሳንባ ብምጥቃዕ ብፍላይ ተደራረብቲ ሕማማት ንዘለዎም ሰባት ክቐትል ይኽእል።
ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፣ ሰብነቶም ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ዝደኸሞም ከምኡ’ውን ብኤች ኣይ ቪን መንሽሮን ዝተጠቕዑ ሰባት በዚ ሕማም ናይ ምሟት ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።
እዚ 50 ሚኢታዊት ናይ ምቕታል ዓቕሚ ዘለዎ ሕማም ክስፋሕፋሕ ዝኸኣለ ብኮቪድ-19 ብጣዕሚ ዝሓመሙ ሰባት ዝወስድዎ ሓይሊ ወሃቢ መድሓኒት ስዒቡ ምዃኑ ዶካትር ይዛረቡ።
‘ስቴሮይድስ’ ብዝብል ዝፍለጡ ሰብ ሰራሕ ሆርሞናት ሳንባ ከይቑጣዕ ብምግባርን ሰብነት ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ክውስኽ ብምኽኣልን ይፍለጡ።
ኣብ ሰለስተ ሆስፒታላት ከተማ ሙምባይ ዘገልግል ዘሎ ዶክተር ናይር ከምዝብሎ፤ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ብውሑድ 40 ሰባት በዚ ህማም ተጠቒዖም’ዮም።
ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ ለካቲት ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ከተማታት 58 ሰባት በቲ ሕማም ተጠቒዖም።
መብዛሕቲኦም ሰባት በዚ ሕማም ዝጥቅዑ ካብ ኮሮናቫይረስ ብድሕሪ ምሕዋዮም ኣብ ዘለዉ ካብ 12 ክሳብ 15 መዓልታት ከምዝኾኑ ይግለጽ።
ኣብ ሙምባይ ዝርከብ ሆስፒታል ሳዮን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ 24 ሰባት በዚ ሕማም ክተሓዙ ከለዉ፡ ካብ ሞንጎኦም 11 ብርሃን ዓይኖም ስኢኖም እቶም ሽድሽተ ድማ ሞይቶም።
ኣብ ካልእ ከተማ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት 19 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ዝገለጸ ካልእ ዶክተር ብወገኑ መብዛሕቲኦም መናእሰይ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።
በዚ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ኣፍንጭኦም ይዕበስን ይደምይን፤ ኣብ ከባቢ ዓይኖም ሕብጠት የጋጥሞም፤ ቁሩብ ጸኒሑ ናይ ምርኣይ ዓቕሞም እናተዳኸመ ብምምጻእ ኣብ መወዳእታ ዓይነ ስውር ክኾኑ ይኽእሉ።
ነቲ መድሓኒት ኣብ ምሕካም ዝውዕል መድሓኒት ንሓደ ብ48 ዶላር ዝሽየጥ ኮይኑ ንተኸታተልቲ ሰሙናት ዝውሰድ’ዩ።