ሕብረት ኣውሮጳ ነፈርቲ ቤላሩስ ብክሊ ኣየር ኣባል ሃገራት ከይሓልፋ ኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሕብረት ኣውሮጳ ነፈርቲ ቤላሩስ ብክሊ ኣየር ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ከይሓልፋ ኮነ ማዕርፎ ነፈርቲ ከይጥቀማ ኣጊዱ።
ናብዚ ውሳነ ዝበጽሓሉ ምኽንያት ድማ ቤላሩስ ብግዝኣታ ትሓልፍ ንዝነበረት ነፋሪት ርያንኤር ብኣስገዳድ ክትዓልብ ስለ ዝገበረት ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
መገዲ ኣየር ኣውሮጳ’ውን ናብ ቤላሩስ ክበርር ከምዘይብሉ ይተባባዕ ኣሎ።
ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ቤላሩስ ንሓንቲ ናይ ሰለማውያን ነፋሪት ብኣስገዳድ ክትዓልብ ድሕሪ ምግባር ንሓደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጋዜጠኛ ኣብ ቀይዲ ዘእተወትሉ መገዲ ንጹር ቅዋም እዩ ነይርወን።
እንተኾነ ገለ ትካላት መገዲ ኣየራት ሕብረት ኣውሮጳ ንናይ ኣየር በረራ ‘ፖለቲካዊ መልክዕ ኣትሕዙዎ' ክብሉ ይነቕፍዎ።
ወዲ 26 ዓመት ሮማን ፕሮታሰቪች ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 23 ካብ ግሪክ ናብ ሉቲና ይጉዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሰበ ስልጣን ቤላሩስ ነታ ንሱ ዝተሳፈረላ ነፋሪት ብጥርጠራ ምፍንጃር ነታጕ ብኣስገዳድ ኣብ ሚኒስክ ክትዓልብ ድሕሪ ምግባሮም እዩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ።
ኣብቲ ግዜ ምስኡ ተሳፊራ ዝነበረት ሕጽይቱ ሶፍያ ሳፔጋ'ውን ክትእሰር ተገዲዳ።
እቲ ጋዜጠኛ ትማሊ ዝሕንዝሕ እናነብዐ ናብ ቴሌቭዥን ቀሪቡ ኣንጻር መንግስቲ ቤላሩስ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ይውድብ ከም ዝነበረ ኣሚኑ።
ስድርኡን ሓፋሽ ማሕበራትን ግን እቲ ናይ ሮማን ናይ ጣዕሳ ዘረባ ብኣስገዳድን ብሓይለ መልጢ ዝተገበረን እዩ ክብሉ ቅቡል ኣይገበርዎን።
እቲ እገዳ እንታይ ትርጉም ይህልዎ?
ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ቤላሩስ ዘንበሮ ናይ በረራ እገዳታት ካብ ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ምዃን ዝጀመረ ኮይኑ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ብናይ ቤላሩስ መገድታት ኣየር ንዝውነና ነፈርቲ ብግዝኣተን ከይሓልፋ፣ ኣብ ማዕርፎ ነፈርተን ከይዓልባን ከይብገሳን ረቛሕታት ኣቐሚጡ ኣሎ።
መገዲ ኣየር ቤላሩስ ናብ ሚላን፣ በርሊን፣ ፓሪስ፣ ሮምን ቬናን ሓዊስካ ናብ 20 መዓርፎ ነፈርቲ ሕብረት ኣውሮጳ ከም ዝበርር ተገሊጹ።
ትካል ድሕነት ኣቭየሽን እቲ ሕብረት ብግድኡ እተን ኣባል ሃገራት ሓደጋ ገጢምዎን እንተዘይኮይኑ እምበር ብክሊ ሰማይ ቤላሩስ ከይጥቀማ ትእዛዝ ኣውሪዱ ኣሎ።
እዚ ድማ መዓልታዊ ብግዝኣት ቤላሩስ ንዝሓልፋ ኣስታት 400 ነፈርቲ ጽልዋ ከሕድር ምዃኑ ተሓቢሩ።
ብኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝውነና ነፈርቲ መእንተ ድሕነት ብዝብል ምኽንያት ክሊ ሰማይ ቤላሩስ ከይጥቀማ ኢልካ እገዳ ምንባር ንኣቭየሽን ኢንዳስትሪ ፖለቲካዊ መልክዕ ምትሓዝ እዩ ክብል ዳይሬክተር ጀነራል ዓለም ለኻዊ መጓዓዝያ ኣየር ዊሌ ዋልሽ ንውሳነ ሕብረት ኣውሮጳ ነቒፍዎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







